ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ስምምዕ ፈሪሞም


ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ሰብኣዊ ሓገዛት መታን ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝፈረሙ፣ ኣብ’ቲ ዘተ ዝተሳተፈ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ወከልቲ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ህጹጽ ሓገዝ ወሃቢ ሓይልን፣ ነቲ ሰነድ ዝፈረሙ ኣብ ጀዳ ስዑድ ዓረብ እዩ። ዝፈረምዎ ሰነድ ስምምዕነት "ኣዋጅ ተገዳስነት ንምክልኻል ህዝቢ ሱዳን" ይብል።

ብመሰረት ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ እቲ ሰነድ ኣብ ውግእ ዝካየደሉ ስፍራ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ካብ’ቲ ከባቢ ንክርሕቅ ክሕግዙን፣ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንክምለስ፣ ማይን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባት ንክቀርቡ፣ ዕጡቃት ሓይልታት ካብ ሆስፒታላት ክርሕቁን፣ ዝሞቱ፣ ብክብሪ ንክቅበሩን ይጽውዕ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብግዲኡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣዝዮም ዝተራሓሓቀ መርገጺ ከምዝሓዙ ጠቂሱ፣ ናብ ነባሪ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ንምብጻሕ፣ ነዊሕ መስርሕ ከምዝህሉ’ውን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG