ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን 'ዘይቀያዲ' ውዕል ኣሲሮም


እቲ ውዕል ንግጭት ከውግድ'ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ነቲ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ናይ ኲናት ሓደጋ ኣንፀላልዩ‘ሎ ክሳብ ምባል ዘብፀሐ ውጥረት ዘህድእ ውዕል ፀጥታ ፈሪመን።

ኣብ‘ቲ ትማሊ ምሸት ብታሕዋኽ ዝተፈፀመ ስነ-ስርዓት፣ሰበ-ስልጣን ፀጥታ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ሸምጋላይ ታቦ እምቤኪ ”ዘይቀያዲ” ዝበልዎ ውዕል ከቲሞም‘ለው።

ሚስተር ታቦ እምበኪ “ዝተፈላለዩ መርሃት ሒዙ‘ሎ እቲ ውዕል።ረብሕኡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ወረራ ንከይፍፀምን ምትሕግጋዝ ንክህሉን ባይታ ዘንፅፍ‘ዩ” ኢሎም።

እቲ ናይ ትማሊ ውዕል ዝተኣስረ፣እቲ ብሞንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ናብ ዳርጋ ምብራዕ ተፀጊዑ ዝነበረ ውጥረት ንምህዳእ ዓሊሙ ንሓደ ሰሙን ዝተካየደ መስርሕ‘ዩ።

ጠንቂ‘ቲ ውጥረት መቀሎ መኽሰብ ነዳዲ-ዘይቲ‘ዩ።ነዳዲ ዘይቲ ንክልቲኤን ሃገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምንጪ ገንዘብ ኮይኑ‘ሎ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ‘ዚ ቀረባ ክትንፀል ከላ ንሰለስተ ሲሶ ብፅሒት ፀጋ ናይ ነዳዲ ሒዛ‘ያ ተነፂላ።እንተኾነ እቲ ሸምበቆ ነዳዲ ብሱዳን ኣቢሉ‘ዩ ዝሓልፍ።

ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፣ክልቲኤን ሃገራት ሰራዊት ኣብ ከባቢ ዶብ ከምዘስፈራ‘ውን ይዝረብ።

ሸምጋሊ‘ቲ ልዝብ ፕረዚደንት ታቦ እምቤኪ፣እቲ ውዕል ምስሕሓብ ናብ ኲናት ቅድሚ ምንሃሮም ንምቁፅፃር ሓጋዚ‘ዩ ይብሉ።ክልቲኦም ወገናት፣ ነንሕድ-ሕዶም ዝጠራጠሩ እንተኾይኖም እንታይ ይገበር? ንዝብል ሕቶ ዝመለሰ‘ዩ ኢሎም ሚስተር እምቤኪ።

ንሶም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣እቲ ውዕል ንቤት ዕዮታት ጉዳያት ወፃኢ፣ምክልኻልን ጉዳያት ውሽጢ ሃገርን ዝሓቆፈ ምኻኑ‘ውን ጠቂሶም።

ልኡኻት ኣውሮዻን ኣሜሪካን‘ውን ነቲ መስርሕ ብትኩርነት ይከታተልዎ እዮም ቀንዮም።ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝኾኑ ፕሪንስተን ለይማን፣ጉዳይ መቀሎ ነዳዲ-ዘይቲ ፍታሕ ዝረኽበሉ ኣገባብ ኣብ ዝመክር መድረኽ ክርከቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክብገሱ‘ዮም።እቲ ኣኼባ ፅባሕ ሰሉስ‘ዩ ዝጅምር።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG