ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ድጋፍን መሻርኽቶምን መሰጋገሪ ቅዋም ፈሪሞም


ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ምስ ካልኦት ወገናት ብምሕባር መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ ሱዳን ፈሪሞም። እቶም “ኪዳን ጥምረት ሱዳን፡" ብዝብል ስያም ኣብ ናይሮቢ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጋብኡ ሓይልታት፡ ትማሊ ሰኑይ’ዮም ነቲ ቅዋም ፈሪሞም። እቲ ሰነድ፡ ኣብ ሱዳን ማንታ መንግስቲ ዝኣምን ኰይኑ፡ እዚ ዝተፈረመ “መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ” ዝተባህለ ሰነድ፡ ነቲ ዘሎ ክፍተት ክመልእን ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኰይኑ ድማ ውሳነታት ንኸሕልፍን ዘኽእል’ዩ።

ከም መግለጺ እቲ ሕብረት፡ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ኣብ ሱዳን መንግስቲ ምቛም ዝብል’ዩ።

ኬንያ ነዚ ዋዕላ ምእንጋዳ ካብ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ተሪር ነቕፌታ ስዒቡዋ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዘስፈሮ፡ እቲ ብመሪሕነት ሰራዊት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ግን ከኣ ናይ ጥምረት ሓይልታት ዝተፈረመ ሰነድ ብ24 ጉጅለታት ዝተፈረመ’ዩ። ምኽትል ኣዛዚ እቲ ፍሉይ ኣሃዱ ዓብደልራሒም ዳጋሎ (ሓዉ ንሕሜቲ ምዃኑ’ዩ) ድማ ብወገን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ድጋፍ ነቲ መሰጋገሪ ዝተሰምየ ሰነድ ፈሪሙ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG