ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንልዝብ ቅልጡፍ ምቁራጽ ተኵሲ ቅሩብነቱ ገሊጹ


መራሒ'ቲ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሃምደን ዳጋሎ (ሕሜቲ)
መራሒ'ቲ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሃምደን ዳጋሎ (ሕሜቲ)

ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ምስ ሰራዊት ሱዳን ቅልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኹነት ልዝብ ንምቁራጽ ተኵሲ ንምክያድ ድልው ምዃኑ ትማሊ ሰሉስ 2 ጥሪ 2024 ኣፍሊጡ። እቲ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሓይሊ ነዚ ዝበለ ምስ ጥምረት ሰቪላውያን ስምምዕ ኣብ ዝፈረሙ እዋን ኮይኑ ሰራዊት ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኵናት ሱዳን ኣብ ዓለም ካብ ዝዓበየ ቅልውላው ምዝንባል ዜጋታት ዝፈጠረ ንትሕቲ ቅርጻ’ታ ሃገር ዘዕነውን ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ መጠንቅቕታ ጥምየት ከይስዕብ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

ኣቐዲሙ ነቲ ኵናት ብልዝብ ደው ንምባል ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተኻየደ ልዝብ ብዘይፍረ ምትራፉ ይዝከር። ነቲ ኣብ መጻኢ ዝካየድ ልዝባትን ፖለቲካዊ ፍታሕን መሰረት ኮይኑ ንኸገልግል ዝተሓለነ ኣዋጅ ስምምዕ ኣዲስ ኣበባ ብምፍራም እቲ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ሱዳን ነቲ ኵናት ደው ንምባል ዘለዎ ተወፋይነት ንጹር ጌሩ'ሎ።

"ሰራዊት ሱዳን ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ ሰነድ ሒዙ እንተቀሪቡ ብኡንብኡ ምፈረምኩ" ዝበሉ መራሒ'ቲ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሃምደን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ እቲ ሰነድ እቶም ዝተመዛበሉ ሚልዮናት ሰባት ናብ ኣባይቶም ክምለሱን ውሑስ መተሓላለፊ ምፍጣርን ከምኡ'ውን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ልዝብ ሰላም ክካፈሉ ምግባርን ዝሕውስ'ዩ ኢሎም።

እንተኾነ እቲ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝረኸቦ ላዕለዋይነት’ቲ ኵናት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ብኣመሪካ ብገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ዝኽሰስ ሓይሊ ነቲ ስምምዕ ማዕረ ክንደይ ተግባራዊን ተገዛኢን ይኸውን ገና ንጹር ኣይኮነን።

ጀነራል ሕሜቲ ነቲ ዝተፈጸመ መግሃስቲታት ይቕሬታ ብምሕታት ፈጸምቲ ክሕተቱ'ዮም ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG