ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ድጋፍ ንነፋሪት ቱርኪ ሃሪሞም ክብል ይኸስስ


ተሃሪማ ዝተባህለ ነፋሪት ቱርኪ - ምስሊ ካብ ሰራዊት ሱዳን
ተሃሪማ ዝተባህለ ነፋሪት ቱርኪ - ምስሊ ካብ ሰራዊት ሱዳን

ሓይልታት ቅልጡፍ ድጋፍ ሱዳን ንሓንቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኡምዱርማን ትዓርፍ ዝነበረት ነፋሪት ቱርኪ ተኩሶም ከም ዝሃረምዋን፡ ኣብ ከባቢ መተሓላለፊ ነዳዲኣ ጉድኣት ከምዘጋጠማንን ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ቅልጡፍ ድጋፍ ግን ናብ ነፋሪት ኣይተኮስናን ሓሶት'ዩ ክብሉ ምላሽ ሂቦም ኣለው።

ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ብክልተ ጀነራላት ዝምርሑ ሓይልታት ኲናት ካብ ዝውላዕ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ኣሽሓት ድማ ካብታ ሃገር ይሃድሙ ኣለው።

ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ሓሙስ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዕድል ንምሃብ ብዝብል ንስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብ72 ሰዓታት ከናውሕዎ ተሰማሚዖም እዮም።እንተኾነ ብመሰረት ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒን ምስልታት ቪድዮን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኻርቱም ኲናት ዓሚሩ እዩ ውዒሉ።

ንምህራም ነፋሪት ቱርኪ ብዝምልከት፡ ሚንስትሪ ምክልኻል ቱርኪ፥ ሰባት ከተውጽእ ኻርቱም ትዓልብ ዝነበረት ነፋሪት ቱርኪ፡ ከም ዝተተኮሰላ ኣፍሊጡ'ሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፡ ናብታ ነፋሪት ዝተኮሱ ሓይልታት ሒሚቲ ማለት ሓይልታት ቅልጡፍ ድጋፍ እዮም ኢሉ ይኸስስ፡ ሓይልታት ሒሚቲ ብወገኖም፡ ንሕና ናብታ ነፋሪት ገጽና ኣይተኮስናን፡ ሓይልታት ቡርሓን ሓሶት እዮም ዝዝርግሑ ዘለዉ ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።

"ሓይልታትና ነቲ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ዕድል ክንህብ ክንብል ዝኣተናዮ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብዕቱብነት የኽብርዎ ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ኦምዱርማን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዋዲ ሲዕድና ዝተኮስናላ ነፋሪት የልቦን።"

ብጀነራል ቡርሓን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን እታ ጉድ ኣት ዘጋጠማ ነፋሪት ትጽገን ከምዘላ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG