ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን ንጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦ ንጾመ ሮመዳን ቕድመ ኩነት የቐምጥ


ኻርቱም
ኻርቱም

ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ካብ ኣባይትን ህዝባዊ መሳለጥያታትን ክሳብ ዘየውፁ ንጾመ ሮሞዳን ተባሂሉ ዝካየድ ምቁራፅ ተጻብኦ የለን ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ ጄነራል ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሰንበት ተዛሪቦም።

እቶም ጀነራል ነዚ መግለፂ ዝሃቡ ብምኽንያት ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ቅዱስ ጾም ሮመዳን ተፃብኦ ጠጠው ንኽብል ባይቶ ፀጥታ ለበዋ ድሕሪ ምቅራቡ’ዩ።

ነቲ ሰራዊት ንዳርጋ 11-ኣዋርሕ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ግን ነቲ ለበዋ ባይቶ ፀጥታ ብሓጎስ ተቀቢልዎ’ዩ።

እንተኾነ ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ ኣብ መግለፂኦም እቲ ሰራዊት ኣብ ኦምዱርማን ንዝሰፍሐ ክፍሊ’ታ ሃገር ብምሓዝ ከምዝተዓወ ጠቂሶም’ለዉ።

ኣብ እዋን’ዚ ኵናት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሰራዊት ከይተዓወት‘ዩ ፀኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ግን ንገለ ከባቢታት ኦምዱሩማን ብምሓዝ ፈላማይ ዓብይ ዓወት ምርካቡ ገሊፁ’ሎ። ሕጂ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ክልተ ቀንዲ መደበራት ከም ዘራኸበን ገሊፁ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG