ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን ንክሲ ደብዳብ መንበሪ ኣምባሳደር ዓረብ ኢማራት ኮኒኑ


ካርቱም - ፋይል
ካርቱም - ፋይል

ሰራዊት ሱዳን ሓይልታቱ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ መንበሪ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ደብዲቦም ንዝብል ክሲ ሎሚ ሰኑይ ነጺጉ። ብኣንጻሩ ተሓታቲ ሓይልታት ፍሉይ ወሃቢ ድጋፍ(RSF) እዩ ምባሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ብነፋሪት ሰራዊት ሱዳን ምድብዳቡ ብምግላፅ "ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ’’ ብምባል ኮኒናቶ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "እዚ ዘሕፍርን ናይ ፈራሓት ተግባራትን’’ ሓይልታት ፍሉይ ወሃቢ ድጋፍ(RSF) ተፈፂሙ ኢሉ።

ወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ሕቡራት ዓረብ ኢማራት 17 ኣዋርሕ ኣብ ዘቑፀረ ኲናት ንሓይልታት ፍሉይ ወሃቢ ድጋፍ ኣፅዋር ተቕርብን ትሕግዝን ኣላ ክብል ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ኣምባሳደራ መንበሪ ህንፃ ሰፊሕ ዕንወት ወሪዱዎ ኣሎ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG