ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርየም ኢብራሂም ተፈቲሓ


መርየም ኢብራሂም
መርየም ኢብራሂም

ብጠንቂ ዘይፅፉፍ ሰነዳት ተባሂሉ ተታሒዛ ዝቀነየትን ሞት ዝተፈረዳን ሱዳናዊት ክርስትያን ሰበይቲ፣ሎሚ ሓሙስ እንደገና ከምዝተፈትሐት ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ጠበቃ 27 ዓመት ዝዕድሚኣ መርየም ኢብራሂም ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ ወፃእተኛታት ዲፕሎማታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ካርቱም ድሕሪ ዘሕደርዎ ፀቅጢ፣ሎሚ ሓሙስ ተፈቲሓ‘ላ ክብል ኣረጋጊፁ።መርየም፣ባዓል ቤታን ክልተ ደቆምን ተታሒዞም ከምዝቀነዮ ዝዝከር‘ዩ።

መርየም ኣቦኣ ሙስሊም ዘዕበየታ ወላዲታ ግና ክርስትያን ክትከውን ከላ፣ ሃይማኖታ ቀይራ ተባሂላ ብክሕደት ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደቡብ ሱዳን ንክርስትያን ሰብኣይ ተመርዕያ ተባሂላ‘ያ ተኸሲሳ ኣብ ሱዳን።

ኣብ ሱዳን ሙስሊም ደቂ-ኣነስትዮ ንክርስትያን ክምርዐዋ ኣይፍቀደለንን፣ ሰብኡት ግና ካብ ምስልምና ወፃኢ‘ውን ንክምርዐው ይኽእሉ‘ዮም።ውልዶም እውን ኣሰሮም ክስዕቡ ይግደዱ።

ኣብ ሱዳን ሃይማኖት ምቅያር‘ውን ክልኩል‘ዩ።መቅፃዕቲ ሞት የስዕብ።

XS
SM
MD
LG