ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ልዝብ ሰላም ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ


መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘጓነፈ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዞባዊ ልዝብ ሰላም ከምዘይሳተፍ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዕድመ ዝነጸገ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ትመርሕ ዘላ ኬንያ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ሓገዝ ወሃቢ ትውግን እያ ብዝብል'ዩ።

ካብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ተዋጋእቲ ጀነራላት ሱዳን ብዝተላዕለ ውግእ ዛጊት ኣስታት 3-ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ከባቢ 3-ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም። ኢጋድ ንኽልቲኦም ወገናት ንምዝርራብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣበባ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝጸውዖ ዘተ ሰላም ንመራሕቲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ዕድመ ኣቕሪቡ ኔሩ።

ሓይልታት ህጹጽ ሓገዝ ወሃቢ ናብቲ ብኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ዝሳተፋሉ ልዝብ ሰላም ወኪል ልኢኹ'ዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃቦ መግለፂ ነቲ ኬንያ ብዘለዋ ወገናውነት ምኽንያት ካብ ኣቦ መንበርነት እቲ ዘተ ክትለዓል ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ስጋብ ዘይረኸበ ልኡኽ ናብቲ ዘተ ሰላም ከምዘይሰድድ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቅድም ክብል ሱዳን ንኬንያ ንስድራ ሚልሻ ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍ ተቀቢላ ኣዕቑባን ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ደገፋት ትገብረሉ ኣላ ክትብል ክትከሳ ፀኒሓ እያ።

ድሕሪ እቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ተዓዛቢ ምርጫ ኮይኑ ዝቀርብ ተጠባባቂ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሓለዋ ደሕንነት ሰላማውያን ሰባትን ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ሱዳን ኣብ ዝዋፈረሉ ኩነታት ክጽናዕ ክሓትት ምዃኑ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG