ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ውግእ ቁጽሪ ናብ ቻድ ዝሰግሩ ሱዳናዊያን ብዕጽፊ ወሲኹ


ብሰንኪ ውግእ ቁጽሪ ናብ ቻድ ዝሰግሩ ሱዳናዊያን ብዕጽፊ ወሲኹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:48 0:00

ብሰንኪ ውግእ ቁጽሪ ናብ ቻድ ዝሰግሩ ሱዳናዊያን ብዕጽፊ ወሲኹ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ካብ ሱዳን ናብ ቻድ ዝሰገሩ ሰባት ብዕጽፊ ወሲኹ 55,000 ምጽሑን፣ መብዛሕተኦም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምዃኖምን ኣፍሊጡ።

ትካላት ረድኤት ነቶም ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ቻድ ዝኣተው 25-ሽሕ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ይፍትኑ ኣለው። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ውግእ ኣብ ሱዳን 15 ሚያዝያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ናብ ቻድ ዝሰገሩ ሱዳናዊያን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ’ውን ጠቂሱ ኣሎ።

ከንቲባ ከተማ ቦረታ ቶኮ ባሃት ብወገኑ ናብ’ታ ከተማ ዝኣተው ስደተኛታት ጽቡቕ ኣቀባብላ ከምዝግበረሎምን፣ ምስ ስግር ዶብ ዘለው ሱዳናዊያን ስጡም ዝምድና ከምዘሎን ይጠቅስ።

እዋን ክረምቲ ኣብ ቻድ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣሎ። ናብ ቦሮታ ዝወስዱ ጎላጉል ብማይ ስለሽፈኑ፣ ትካላት ረድኤት ናብ’ቲ ከባቢ ንምሕላፍ ኣጸጋሚ ከምዝገብሮ እቲ ሪፖርት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG