ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሱዳን ንዝቀረበሉ ክሲ ፆታዊ ምግሳስን ቅትለት ሰላማዊ ሰባትን ነጺግዎ


ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝፈነው ክልተ ስርሒታት፣ መጠነ ሰፊሕ ፆታዊ ምግሳስን ቅትለት ሰላማዊ ሰባትን ፈፂሙ ንዝብል ክሲ፣ መንግስቲ ሱዳን ነፂግዎ።

ሁማን ራይት ዋች ኣብ ዝዘርገሖ ሪፖርት ግና፣ እቲ በደል ሰፊሕን ስልታዊን፣ ብገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ዘሕትትን’ዩ ይብል።

እቲ ትካል ወሲኹ፣ ኣብ ተኸታታሊ ኣዋርሕ ኣብ ዳርፉር ብሰንኪ ዝተፈፀመ መጥቃዕታት፣ግዳይ ንዝኾኑ 212 ሰባት ቃለ-መሕትት ከምዝገበረሎም ይሕብር። ካብ ሞንጎኦም እቶም 151 ናብ ቻድን ደቡብ ሱዳንን ከምዝሰገሩ ይዛረቡ።

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ግና፣ሁማን ራይት ዋች፣ፀረ ሱዳን ክስታት ብምፅብፃብ ፍሉጥ ታሪኽ ኣለዎ ይብሉ።

ሚኒስትር ሓበሬታ ሱዳን ኣሕመድ ቢላል፣ሁማን ራይት ዋች፣ ዘይእመንን ኩሉ-ሻዕ ንምንእኣስ መንግስቲ ካርቱም ዝሰርሕን ክብሉ ይገልፅዎ።

ንሕና ንምርግጋእ ዳርፉርን ንሰላምን ብዝሰራሕና ቁፅሪ፣ሁማን ራይት ዋች ድማ ብግልባጡ፣ ንመንግስቲ ካርቱም ዘነኣእስ መግለፂ የውፅእ ኢሎም እቶም ሱዳናዊ ሚኒስቲር።

XS
SM
MD
LG