ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ዖማር ኣልበሽር ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን-ጁባ ውዒሎም


ፕሬዝዳንት በሽር ሎማዕንቲ ንጉሆ ብናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ላዕለዎት ኣባላት ሰበስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዓለም ለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጁባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ደቡባዊያን ምስ ሃገሮም ብሓባር ክቕፅሉ ወይ እውን ክንፀሉ ንምውሳን ዝቕፅል ሰንበት ድምፆም ንምሃብ ኣብዝቀራረብሉ ፕሬዝዳንት በሽር መንግስቶም ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሰላማዊ ምትሕብባር ከምዝደሊ ገሊፆም ኣለው።

ፕሬዝዳንት በሽር ደቡብ ሱዳን ንነፃነት እንተመሪፆም ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ርክባት ከምዝቕፅል እዮም ዝገለፁ።ኣስዒቦም ድማ ሱዳን ሓንቲ ሃገር ኮይና ዝፅንሐት ስለዝኾነት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ ህዝቢ ጥቡቕ ርክቦም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።

ፕሬዝዳንት በሽር ኣብ ጁባ ምስበፅሑ ኣብዘስምዕዎ ዘረባ ደቡብ ናይ ምፍልላይ ተኽእሎኣ ዝለዓለ ምኻኑ ኣሚኖም።ንሶም ደቡባዊያን ነፃነት እንተመሪፆም ናብ ጁባ መፂኡ እንዃዕ ኣሓጎሰኩም ኣብምባል መንግስቶም ፈላማይ ከምዝኸውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ፍትሕ ብዘይ ኣበር ንምፍፃም ግን ብዙሓት ጉዳያት መፍትሒ ክረኽቡ ኣለዎም።ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ዜግነት ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ደቡባዊያን ዝምልከት ኣይተሰማምዑን።ናይ ነዳዲ ሃብትን እታ ህገር ዘለዋ ናይ 38 ቢሊዮን ዕዳ ከመይ ከምዝማቐሉዎን እውን ኣይተሰማምዑን።

ናይቶም ፕሬዝዳንት ርክባት ብጋዜጣዊ መግለፂ እዩ ተኸምቢቱ።መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ ዓመፅቲ ዳርፉር ኣብ ደቡብ ንኽፀንሑ ኣይፍቀደሎምን`የ ኢሉ`ሎ።ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ረፈረንደም ዝህልዉ ጉዳያት ዕላዊ ናይ ነፃነት ማዕልቲ ከምዝኸውን ትፅቢ ዝግበረሉ ቅድሚ ትሽዓተ ሓምለ ኣ/ፈ ፍታሕ ንኽረኽቡ ተሰማሚዖም ኣልው።

XS
SM
MD
LG