ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኢሳይያስ፡ ግብጺ ኣብ እትመርሖ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ንምስታፍ ካይሮ ኣትዩ


ብመንጎኝነት ንምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ በይነ-መንግስታዊ ምትእኽኻብ ንልምዓት (ኢጋድ)፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ፈተነ ዕርቂ ሱዳን ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ካይሮ ኣብ እትመርሖ ዘተ ሰላም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ንምስታፍ ፕረዚደንት ኢሳያያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ካይሮ ኣትዩ። ኣብቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ጽባሕ ሓሙስ ዝጅምር ዘተ ንምስታፍ፡ ካብ መራሒ ግብጺ ብዝተገብረሉ ዕድመ ሎሚ ንግብጺ ዝገሸ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ዝሓቘፈ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣመልኪቱ።

ብውድብ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰ ፈተነ ዕርቂ፡ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ብመሪሕነት ኬንያ ዝካየደ ዘተ ሰላም ከም ዘይቅበልን ኣብኡ ከም ዘይሳተፍን ኣመልኪቱ ነይሩ። ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ክንፊ ፕረዚደንት ኬንያ ምስ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ደጋፍ ይደናገጽ’ዩ ዝብል ክሲ’ዩ የቕርብ።

ፈተነ ኢጋድ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ግብጺ፡ ንኽልተ ወገናት ሱዳን ዘተዓርቕን “ንዘላቒ ሰላም” ዘምርሕ ዝበለቶን ርክብ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚራ ከተተኣናግድ ምዃና ብሰንበት’ያ ወግዓዊ ገይራ። ክልተ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ ናይ ግብጺ ዘተ-ሰላም ክሳተፉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ነቲ ጎንጺ ንምዕራፍ ዝተገብረ ፈተነ ውጽኢት ኣይሃበን።

ኣብ ዝርርብ ሰላም ንምሽምጋል ኣብ ካይሮ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቐዲሙ፡ ጉዳይ ሱዳን ውሽጣዊ ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ብዘይ ዝዀነ ናይ ደገ ምትእትታውን ሽምግልናን ክፍታሕ መርገጺ ከም ዘለዎ፡ ምኽትል ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ዝዀነ ማሊክ ኣጋር ንማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢሩ ነይሩ።

ንኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ዝሓዘለ ፈተነ ዕርቂ ኣዲስ-ኣበባ፡ ነቲ ህይወት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዜጋታት ወሲዱ ዝበሎ ግጭት ንምዕራፍ፡ ብምብራቕ ኣፍሪቃ ዝምእከል ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ሱዳን ክኣቱ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ዩ። ዕላማ እቲ ተዓዛቢን ኣውሓሲን ወታሃደራዊ ሓይሊ ንውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታት ክከታተል’ዩ እቲ መደብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG