ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝተናውሓሉ፡ ዳግም ጎንጺ ይጅምር


ኣብ መንጎ ክልተ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ናይ 72 ሰዓታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ስምምዕ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ካርቱምን ኦምዱርማንን ተዅሲ ምጅማሩ ንነበርቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ክልተ ወገናት ነቲ ናይ ደገ ዜጋታት ንምውጻእ ዝተሰማምዕሉ ፈላሚ ናይ 72 ሰዓታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምንዋሕ ተሰማሚዖም ነይሮም’ዮም። እንተዀነ እቲ ዝተባህለ ምንዋሕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ በዚ ሎሚ ዝቐጸለ ደብዳባት ኣየር፡ ታንክትን ከቢድ መዳፍዕን ዝፈሸለ ይመስል።

ኣብቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ 72 ሰዓታት ምቍራጽ ተዅሲ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ከውጽኣ ተጓየን’የን። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም በበይኖም ወገናት፡ ነቲ ን72 ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ክናዋሕ ክምሕጸኑ ጸኒሖም’ዮም።

15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ክልተ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ዛጊት 512 ሰባት ወሲዱ፡ ልዕሊ 4,200 ድማ ኣቝሲሉ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ’ዩ ነቲ ኣሃዝ ኣቐሚጡ። እንተዀነ፡ ብሰንኪ ምቍራጽ መራኸቢታት፡ እቲ ኣሃዝ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝእኽእል ይግመት።

XS
SM
MD
LG