ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ንዓመታት ዝዘለቐ ውግእ ንከብቅዕ ዝዓለመ ዝርርብ ሰላም ተጀሚሩ


ኣብ ናይ ሱዳን ዳርፉር ፣ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋን ንዓመታት ዝዘለቐ ውግእ ንከብቅዕ ዝዓለመ ዝርርብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ።ናይ ተቓዋሚ ጥምረት ብፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር ኣብ ዝተጀመረ ሃገራት ልዝብ ንምስታፍ ድሕሪ ምስምምዑ እዩ እቲ ልዝብ ጀሚሩ ዘሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈረመ ስምምዕ ይሳተፉ ዘለው ናይ ሳዲቅ ኣል-ማሓዲ ዑማ ፓርቲ፣ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ብሉ ናይልን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ SPLA North ኣብ ዳርፉር ዝመደብሩ ምንቅስቓስ ሓረንት ንፍትሕን ማዕረነትን ሱዳን ይርከቡዎም።

እቲ ጥምረትን መንግስትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ዝርርብ ከምዝጀመሩ ናይ SPLA North ወኪል ትማሊ ሰሉስ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG