ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ሰላም ክልቲኤን ሱዳን ይስጉም ኣሎ


መራሕቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን
መራሕቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን

ሱዳን ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ስለዝጣሓሰት ማዕቀብ ይግባኣ'ዩ ትብል ደቡብ ሱዳን

ሓድሽ ግጭት ኣብ ዝተወለዐሉን ምስሓብ ሰራዊት ሱዳን ካብ ኣብዬይ ንምውፀኦም ኣጠራጣሪ ኣብ ዝኾነሉን ሃዋሁ ይካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ሱዳን፣ፊሑኵ እናበለ ይስጉም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ካልኣይ መዓልቱ ዘቁፀረ ልዝብ ክልቲኤን ሱዳን፣ሰለስተ ሰዓት ድሒሩ‘ዩ ጀሚሩ።ወኪል ደቡብ ሱዳን ፔጋን ኣሙም፣ዛጊድ ኣብ መሰረታዊ ነጥብታት ትኹረት ተገይሩ ኣሎ ይብሉ።

”ብውልቀን ብሓባርን ክንወስዶም ንዝግባኣና ስዳሮታት ክነቅርብ ኢና።ነቶም ዝቀረቡ ነጥቢታት ክንዘራረበሎም፣ክንሰማማዕን፣ብመፅንር ውዕል ሰላምን ውሳነ ቤት ምኽሪ ሕ/መን ዝትግበረሉ ሰሌዳ ጊዜ ክንፅር ኢና” ኢሎም ኣሙም።

ፐጋን ኣሙም ወሲኾም፣ካርቱም ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ደጋጊማ ስለዝጣሓሰት ብማዕቀብ ክትቅፃዕ ኣለዋ ኢሎም።

”ሱዳን ብመሰረት ዝሓለፈ ውሳነ፣ንሓይልታታ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ኣይሳሓበትን።እዚ ጥሕሰት‘ዩ።ወኪል ሕ/መ ንእምቢታ ሱዳን ናብ ሕ/መ ከቃልሕ ሓቲትና ኢና።ከምሳዕቤኑ ድማ ሱዳን ብማዕቀብ ክትጉዳእ ንፅበ ኣለና” ባሃላይ‘ዮም ንሶም።

ሚስተር ኣሙም ተረርቲ ቃላት ወላ‘ውን እንተተጠቀሙ፣ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ዘሎ ከይዲ ሰላም ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ኣሎ፣ክንቅፅለሉ‘ውን ኢና ይብሉ።

ወኪል ሱዳን ግና፣ካብ ምጅማር‘ቲ ልዝብ ንዳሓር ንሪፖርተራት ምዝርራብ ፈቃደኛታት ኣይኮኑን ዘለው።ኣብ ክንድኡ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ይህቡ። ኣብ‘ቲ ፅሑፍ፣ኣብ ኩሎም ምስሕሓባት ልዝብ ከምዝቅፅሉን፣ንሰላምን ህድኣትን ተገዳስነት ከምዘለዎም ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG