ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፃባእቲ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይላዘቡ ኣለው


ክሳብ ዝሰማምዑ ካብ'ታ ከተማ ኣይንወፅእን ይብሉ

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ቅድሚ 9 ነሓሰ ቅድሚ ኣዋጅ ናፅነት ደቡብ ንኣሳሓሓብቲ ነጥቢታት ተዛትዮም ንከድቅሱ ዘኽእሎም ናይ መወዳእታ መድረኽ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቶም።

ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ንክትውለድ ሰለስተ ሰሙን ጥራሕ‘ዩ ተሪፉ ዘሎ።እንተኾነ ምስ ሱዳን ዘይተፈትሑ ተባራዒ ኣጀንዳታት ኣለዋ።ምምቃል ኣታዊ መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ፣መን‘ዩ ዜጋ ክልቲኤን ሃገራት ክኸውን ዝኽእል ዝብሉ ገለ ካብ‘ቶም ኣካታዕቲ ነጥቢታት‘ዮም።

ሸምጋላይ‘ቲ ልዝብ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ታቦ እምቤኪ፣ሕጊ እቲ መድረኽ ልዝብ፣ናብ ስምምዕነት ክሳብ ዘይተበፅሐ፣ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይወፁ ዝብል‘ዩ ይብሉ።

እምቤኪ ወሲኾም ”ናብ ውሳነ ክበፅሑ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ነጥቢታት ኣለው።ብየማነይን ብፀጋመይን ዘለው ወኪላት ዝበልዎ ሓደ ነገር ኣሎ።ክሳብ ንሰማማዕ ኣብ‘ዚ ሰደቃ ልዝብ ክንስየም ኣለና ዝብል’ዩ” ኢሎም።

ኣብ‘ቲ መድረኽ ልዝብ ይሳተፉ ዘለው ወከልቲ ንቪኦኤ ሎሚ ከምዝገለፅዎ እቲ ከቢድ መካትዒ ነጥቢ፣መቀሎ መሸጣ ነዳዲ-ዘይቲ‘ዩ ኢሎም።ደቡባውያን ኣብ ሞንጎና ናይ ንግዲ ርክብ‘ዩ ክህሉ ዝግባእ ክብሉ ከለው፣ሰሜናውያን ግና እንተዘይተማቂልና እቲ ናብ ወደብ ሱዳን ዝሓልፍ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ክንዓፅዎ ኢና ኢሎም የፈራርሑ።

XS
SM
MD
LG