ዋሽንግተን —
ሓደ ዓመት ዘቝጸረ ኵናት ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ኣስታት 8-ሚልዮን ድማ መንበሪኦም ራሕሪሖም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ስእነት ሓገዝ ምስ ዘይርጉፅ ኩነታት ተደማሚሩ ንሰባት ኣብ ድርኵኺት ጥምየት ኣብፂሕዎም’ሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስታት 3.5 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ'ታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሕፅረት መግቢ ከምዝርከቡን ካብኣቶም’ቶም 700-ሽሕ ድማ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ይሕብር።
ቅጥዒ