ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ዳርፎር ዝግበር ዘሎ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይውጽዕ


ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ገምጋማዊ ጽሑፍ፡ ብሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ ኣብ ዳርፎር ሰፋሕቲ ጃምላዊ መቕተልቲ፡ ራስያ፡ ማእሰርቲን ምምዝባልን ከም ዝተራእየ ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተወላዶ ብሄር ማሳሊትን ኣርዳማታን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፎርን ጀኔናን ዝነብሩ’ዮም።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ምዕጻዉን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሱዳን ብምውጻኡን፡ ነቲ ኣሰቃቒ ተግባራት ዝግበኦ ኣቓልቦ ከይረኸበ ንኽፍጸም ከም ዘኽኣሎ ኣመልኪቱ። ህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ዳርፎር ንምክልኻል ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ምትእትታው ገይሩ፡ ነቲ ገበናት ደው ኣብ ምባል ኣበርክቶኡ ክገብር ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ፡ ተዓዛቢ ኣካል ኣብቲ ከባቢ ክህሉ፡ እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ቅልጡፍ ወሃብ ድጋፍ ክግበር፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ውድባት ከም ሕብረት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወታን ይጽውዕ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 800 ዝዀኑ ሲቪላውያን ዜጋታት ብሄረ ኣርማዳታ ተቐቲሎም። እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ካብቲ ግጭት ሃዲሞም ኣብ ጫድ ዝተዓቕቡ ዜጋታት ብዝገበሮ ዳህሳስ፡ እቲ ኣሃዝ ካብ 1,300 ክሳብ 2,000 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግምት። ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣስታት ሸሞንት ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ሃዲሞም ናብ ጫድ ተዓቝቦም ኣለዉ። ኣቐዲሞም ካብ ምዕራብ ዳርፎር ተመዛቢሎም ኣብ ጫድ ዝጸንሑ ድማ 450-ሽሕ ይግመቱ።

ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ነቲ መጽናዕቱ፡ ካብቲ ግጭት ሃዲሞም ናብ ጫድ ካብ ዝኣተዉ ተወላዶ ዳርፎርን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን’ዩ ኣካዪዱዎ። ኣብ ርእሲኡ በበይኑ ናይ ቪድዮ ምስልታትን ነቲ ግፍዒ ዘርኢ ሰነዳትን’ውን መርሚሩ’ዩ። ነቲ መጽናዕቲ፡ ብሳትላይት ዝተላዕለ ምስልታትን ቪድዮን’ውን ሓጊዙ’ዩ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ካብ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ግብረ-መልሲን መብርሂን ንምስማዕ ዝግበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጦን።

ኣብ ከባቢ ኤልጀኔና፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ዝተሓደሰ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብሕልፊ ብሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ ኣልማማ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምጕስቓልን ነቶም ዘርኢ ዓረብ ዘይብሎም ብሄር ብፍሉይ ዝዓለመ ናይ ምቕታልን ምብራርን ተርእዮ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ካብቲ ጎንጺ ሃዲሞም ኣብ ጫድ ዝተዓቝቡ ውጻእ-መዓት ንትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ከም ዝገለጹዎ ድማ፡ ብፍሉይ ንደቂ-ተባዕትዮ ተወላዶ ብሄረ ማሳሊት ዝጠመተ ናይ ምቕታል ተልእኾ ከም ዝተዓዘቡ ኣካፊሎም።

ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ ድሕሪ’ቲ ኲናት ንሓያሎ ገዛኢ ቦታታት ምስ ተቖጻጸረ፡ ብኣልማማ ሲቪላውያን ዜጋታት ክቐትሉ፡ ክራስዩን ከዕንዉን ምርኣዮም ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ ብመሰረት ዓለማዊ ውዕላት፡ ኣብ ኲናት ቀጥታዊ ተሳታፍነት ዘይብሎም ሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታልን ምጕስቓልን ምስ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝስራዕ ብምምልካት፡ ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ንፈጸመቲ ግፍዒ እገዳ ከንብሩ ጸዊዑ። ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይቲ ኣሃዱ፡ ንምኽትል ኣዛዚ ህጹጽ ወሃብ ድጋፍን ሓው ኣዛዚን እታ ኣሃዱ ንዝዀነ ዓብደልራሒም ሓምዳን ዳጋሎን ንኻልእ ኣዛዚ ዓብደል ራሕማንን ብፍሉይ እገዳ ክግበረሎም’ውን ጸዊዑ ኣሎ።

ጻውዒት ህዩማን ራይትስ ዎች ንመንግስታት ኣመሪካ፡ እንግሊዝ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድን’ዩ። ብገበናዊ ዓለማዊ መጋብኣያ ዘ-ሄግ ንዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ’ውን ኵሉ-መዳያዊ ድጋፍ ንኽግበረሉ እቲ ትካል ጸዊዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG