ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ሱዳን ምስፍሕፋሕ ሕማም ንፍዮ ክረኣ ከምዝኽእል ዶብ ኣልቦ ሓካይም የጠንቅቕ


ፋይል
ፋይል

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ግብረሰናይ ኣብ ሱዳን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝርከብሉ መዕቖቢ ምስፍሕፋሕ ሕማም ንፍዮ ክረኣ ከምዝኽእል ገሊፁ።

እቲ ዓለምለኸ ትካል ጠንቂ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዋይት-ናይል ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንዘጋጠመ ሞት 13 ቆልዑ እቲ ሕማም ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጡ'ሎ።

"ብሕማም ንፊዮ ዝተጠርጠሩ ዝሓመሙ ቆልዑ በብዕለቱ ንቕበል ኣለና’’ ክብል'ውን እቲ ትካል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቱ ገሊፁ ኣሎ።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ዋይት-ናይል ክልተ ክልኒካት ኣለዎ። ኣብ ወርሒ ሰነ ልዕሊ 3,000 ሕሙማት ከምዝሓከመ ብምግላፅ ተወሳኺ ሓገዝ ሓቲቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG