ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ ንምስታፍ ኒው-ዮርክ ኣትዮም


ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓን - ፋይል
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓን - ፋይል

ኲናት ሱዳን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ወተሃደራዊ መራሒ'ታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ትማሊ ረቡዕ 20 መስከረም 2023 ናብ ከተማ ኒው- ዮርክ ኣትዩ`ሎ።

ጀነራል ቡርሓን ንመራሕቲ ዓለም መደረ ከስምዕ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ መንጎ ብጀነራል ቡርሓን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍን ብውሕዱ 5,000 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 12- ሽሕ ቆሲሎም ብሚልየን ዝቑጸር ህዝቢ ድማ ምዝንባሉ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ ።

መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኒው-ዮርክ ዝካየድ መበል 78 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሮም መደርኦም ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሚንስተራት ወጻኢታተን ተወኪለን ከም ዘለዋ ካብ ኒው-ዮርክ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG