ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሱዳን ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተምርሕ ኣላ” ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን


ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን
ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን

ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣብ ሱዳን ዝረኣ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝኸፍኣ ኮይኑ ምምዝጋቡ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ሱዳን 10 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ብምግላጽ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ትሕቲ ምክትታል’ቲ ትካል ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝርዝር ከምትርከብ ይሕብር።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ክልተ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝጀመረ ኵናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ክዘናበሉ ጌሩ’ሎ።

ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን ኣብ ዝኸፍኣ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዝርከባ ዝርዝር 20 ሃገራት ሱዳን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። 30.4 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝርከብ’ቲ ኮሚተ ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ሎሚ ረቡዕ ዝወጸ ጸብጻብ ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን፡ 305 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘድልዮም ህዝቢ ዓለም 82 ሚእታዊት ኣብ መይንማር፡ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ፍልስጤማዊያንን ሊባኖስን ዝርከቡ ከምዝኾኑ ሓቢሩ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG