ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ይጋደድ ምህላው በዓልቲ ስልጣን ትካል ስደተኛታት ገሊጻ


ፋይል- ካብ ሱዳን ዝስደዱ ዜጋታት
ፋይል- ካብ ሱዳን ዝስደዱ ዜጋታት

ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ኣብ ዝተፈናቀልሉን ዓለም ስቅታ ኣብ ዝመረጸትሉን እዋን፣ ንክትሓስቦ’ውን ዝኸብድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥም ከምዘሎ ሓንቲ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ገሊጻ።

ኣብ ሱዳን በጺሓ ዝተመለሰት ሓላፊት ርክባት ወጻኢ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዶሚኒክ ሃይዲ "ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ዝራኣኽዎ ነገር፣ ቅብጸትን ዘይትግምቶ ሰብኣዊ ጠለባትን እዩ" ትብል።

እታ በዓልቲ ስልጣን ዝሓለፈ ሚያዝያ ውግእ ሱዳን ካብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ንዳሓር 4.5 ሚልዮን ሱዳናዊያን ተፈናቂሎም፣ 1.2 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም እዮም ትብል ።

ኣብ ሱዳን፣ መጠነ ሰፊሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሞም ዝገለጸት ሃይዲ፣ ኩሎም በደላት ብቅጽበት ደው ክብሉን ፈጸምቲ’ቶም ገበናት ክሕተቱን ንግዳያት ድማ ሕክምናዊ ደገፍ ክግበረሎምን ጸዊዓ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG