ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንሱዳንን ጎረባብታ ሃገራትን 172 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣመሪካ በቲ ኣብ ኸም ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝቅፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝተጎድኡ ዝውዕል ተወሳኺ 172 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምእትህብ ትማሊ ሰሉስ 20 ሰነ ኣፍሊጣ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት መግለፂ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን “በዚ ሓገዝ ገንዘብ ኣመሪካ ንሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራት ቻድ፣ ግብፂ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ድልየት ስደተኛታት ንምምላእን ንተመዛበልቲ ውሽጥ ሃገርን ጉዱኣት ኲናትን ዝውዕል ልዕሊ 550 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ” ከምትህብ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG