ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ


ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሎሚ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምርኻቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣስፊሩ። ኣብዚ ዑደት ንጀነራል ቡርሃን ኣሰንዮም ዝተጓዕዙ ሚኒስተር ፋይናንስን ንድፊን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ኣማሓዳር ዞባ ዳርፎር ምዃኖም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ጠቒሱ።

እቲ ጉጅለ ኣማስያኡ ንሃገሩ ከም ዝተመልሰ ኣቶ የማነ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንሱዳናዊ ማዕከን ዜና ሱና ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕግጋዝን ኣመልኪቶም ክዝትዩ ምዃኖም ኣስፊሩ ኣሎ። ዝርዝር ናይቲ ዝተባህለ መዛራረቢ ኣጀንዳ ግን ኣይቀረበን።

ዑደት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ዘሎ በበይኑ መገሻታት’ዩ። እቲ ነዊሕ እዋን ካብ ሃገሩ ከይወጽአ ዝጸንሐ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ግብጺን ቕጠርን ብምጕዓዝ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ተራኺቡ ዘትዩ'ዩ።

ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዑደት ብዛዕባ ዝተኻየደ ርክባት ዝቐረበ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘየለ ግን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ እናዀነ ግን ሱዳን ካብ ኲናት ዛጊት ኣየዕረፈን። ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘምልክቶ፡ ብሰንበት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ካርቱም ብዝወረደ ደብዳብ ድሮን 43 ሰባት ተቐቲሎም። ፈጻሚ እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ኣይተነጸረን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዘመረ ኲናት ሱዳን፡ ዛጊት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ክም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ሓካይምን ተነታጣጠፍቲ ማሕበረሰብን ግን እቲ ኣሃዝ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG