ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ኣመሪካ ካብ ልዕሊኣ እገዳ ብዘይምልዓላ ንዝጀመረቶ ዘተ ምቁራጻ ኣፍሊጣ


ፕረ. ሱዳን ዑመር ኣል በሽር
ፕረ. ሱዳን ዑመር ኣል በሽር

መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን: ፕረዝደንት ዑመር አል በሽር ምስ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ዝነበረ ዘተን ልዝብን ደው ምባሎም ገሊጾም ኣለው። ፕረዝደንት ኣልበሽር ነዚ ዝገለጹ: ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንዐ ናይ ቁጠባ እገዳ ብምሉእ ንምሉእ ንምልዓል ውሳኔኦም ንዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ብምትሕልላፎም ምዃኑ ገሊጾም።

ሱና ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ንፕረዝደንት ዑመር ኣልበሽር ብምጥቃስ: እቶም ፕረዝደንት ምስ ኣሜሪካ ዘተን ልዝብን ንዘካይድ ዝነበረ ኮሚተ ደው ክብል ውሳኔ ምሕላፎም ገሊጹ’ሎ።

ፕረዝደንት ነበር ባራክ ኦባማ: ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝነበረ እገዳ ብኸፊል ንሽዱሽተ ወርሒ ክለዓል ዝብል ውሳኔ ምፍራሞም ይፍለጥ። ፕረዝደንት ትራምፕ እዚ ውሳኔ ምሉእ ንምሉእ ከልዓል ወይ ከይለዓል ውሳኔ ከሕልፉ ዘለዎም ጊዜ በጺሑ’ሎ።

ንሶም ግን እቲ ግዝያዊ ምልዓል እገዳ ንዝመጽእ ሰለስተ ወርሒ ክናዋሕ ወሲኖም ኣለው።

ኣብ 1997 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ መራሒ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ግብረ ሽበራ ኦሳማ ቢን ላዲን ኣብ ካርቱም ሱዳን ይነብር ብምንባሩን ፡ ሱዳን ንግብረ ሽበራ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዳርፉር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈጺሙ’ዩ ብዝብል ተወሳኺ እገዳ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንሓ እገዳ ምሉእ ብምሉእ እንተተላዕለ’ኳ ኣብ ልዕሊ መራሒኣ ዝጸንዓ እገዳን ክስታት ምፅናት ዘርእን ከምዘለዎ ከምዝቕጽል ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG