ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውሕጅ ንኣባይትን ሕርሻን ኣዕንዩ'ሎ


ብኸቢድ ዝናብ ዝሰዓበ ሓያል ውሕጅ ንሱዳን ምሕማሱ ቀጺሉ`ሎ። ብዓሰርተታት`ታት ኣሸሓት ኣባይቲን ሕርሻታት`ውን ዓንዩ`ሎ።

እቲ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝብሃል ዘሎ ውሕጅ ንኣገደስቲ ትሕተ-ቕርጺ`ውን ስለዝጎድኦ፡ ከም ኮሌራ ዝበሉ ማይ ወልድ ሕማማት ከይዝርግሑ ተሰጊኡ`ሎ።

እዚ ሎሚ ዘመን ካብ ንቡር እዋን ኣቐዲሙ ዝመጸ ኣይሂ ዝናብ ብውሕዱ ን258 ሺሕ ሰባት ዝጎድአ ክኸውን ከሎ ንብዙሓት ዓድናት ሱዳን ሃስዩወን ኣሎ። ከም ሓበረታ ሕቡራት ሃገራትካብ መንጎ 18 ግዝኣታት ሱዳን እተን 15 ብውሕጅ ተጠቒዐን ኣለዋ።

ካብ ዑም ዛይድ ዝተባህለት ዓዲ ዝተፈናቐለ እስማዒል ዓባስ፡ ምስ ደቁ ካብ ገዝኡ ክሃድም ከምዝተገደደ ይገልጽ። እዚ ዘለናዮ ኩነታት`ውን ሕማቕ `ዩ ይብል።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራትምዕራባዊ ዳርፉር ከምኡ`ውን ግዝኣታት ፈለግ ኒል፣ ጻዕዳ ኒል ምዕራብ ኮርዶፋን ከምኡ`ውን ደቡብ ኮርዶፋን ካብ መንጎ ዝያዳ ዝተሃስያ ከባብታት`የን ።

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንኣስታት 45,600 ሰባት ክሳብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ኣገዳሲ ዝብሃል ነገራት ክቕርበሎም ተስፋ ይገብር። መብዛሕቲኦም ቆልዑትን ኣንስትን ንዝኾኑ ደቀንስትዮን ቆልዑትን 30 ሺሕ ሰባት ጽሩይ ማይ ከቕርበሎም ይሰርሕ ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG