ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ኣብ መደበር ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ኣፍሊጦም


ፋይል
ፋይል

ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ሓገዝ ሎሚ ሓሙስ 27 ሓምለ 2023 ኣብ ሰሜናዊ ካርቱም ንዝርከብ መደብር ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘጥቅዕሉን ብርክት ዝበሉ ሰባት ክሞቱ ከለው፣ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ከተማ ኻርቱም ደብዳብ ከምዝነበረ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ናይ ሎሚ ግጭት ኣብ ጅዳ ኣብ ልዝብ ሰላም ዝቐነዩ ወከልቲ ሰራዊት ሱዳን ናብ ኻርቱም ኣብ ዝተመለስሉ ዘጋጠመ'ዩ ።

ብመሰረት ሰራዊት ሱዳን ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ጉዳይ ደባይ ተዋጋእቲ ካብ መንበሪ ከባቢታት፣ መንግስታዊ ህንጻታት፣ ሆስፒታላትን ጽርግያታትን ምስሓብ ዝብሉ ፍልልያት ከምዝተፈጥረ ይሕብር ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኻርቱም ከቢድ ደብዳብ ከምዝዋዓለ፣ ድሮን ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ድማ ንሰሜን ካርቱም ከምዝደብደቡ ገሊጾም።

ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ብወገኑ ሰለስተ ናይ ውግእ ነፈርቲ ከምዘውደቐን፣ ንመኻዚኖ ኣጽዋራትን ወታሃደራዊ ናውቲን ከምዘባረዐን ንብርክት ዝበሉ ከምዝቐተለን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ኻርቱምን ዳርፉርን ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ዛጊት ልዕሊ 3,900 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቀሉ ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG