ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሰገረ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ


ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት - ፋይል
ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት - ፋይል

ኲናት ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፣ ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 770 ሽሕ ህዝቢ ብዶብ ኣቢሎም፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ብካልእ ኣቢሎም፤ ብሓፈሽኡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሰገረ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

መብዛሕተኦም ዶብ ዝሰገሩ ሰባት፣ ካብ ውግእ ሕድሕድ ኣብ ሃገሮም ናብ ሰሜን ሱዳን ዝኣተው ደቡብ ሱዳናዊያን ምዃኖም’ውን እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG