ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ካብ ጎንጺ ሱዳን ሃዲሞም ጫድ ዝኣትው ሰባት ይውስኽ ኣሎ


ቁጽሪ ካብ ጎንጺ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ጫድ ዝኣትዉ ሱዳናውያን እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR)፡ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ 26 ሚያዝያ 2023 ኣስታት 20-ሽሕ ስደተኛታት ናብ ጫድ ምእታዎም ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ ክውስኽ ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።

ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ኮፍሩኒ ብብዝሒ ዝተኣከቡ ኮይኖም ገሊኦም ድማ ንግዚኡ ብዘዳለውዎ ብጨርቂ ኣብ ዝተኸለለ መፅለሊ ኣዕሪፎ ኣለዉ። ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰራዊትን ንኡሳን ወተሃደራትን ብዝተፈጥረ ጎንፂ መንበሪታት ናብ ዓውደ ውግእ ተቐይሮም እዮም። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኹነታት ስዒቡ ተወሰኽቲ 100 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ጫድ ክስደዱ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወኪል ጫድ ላውራ ሎ ካስትሮ ምግላፀን ዝዝከር እዩ።

እዚ ዋሕዚ ነቲ ብዓንተብኡ’ውን እኹል ዓቕሚ ዘይነበሮ መዕቆቢ ስደተኛታት ጫድ ኣብ ልዕሊ ምስቶም ቅድም ክብል ካብ ሱዳን ዝኣተዉ 400 ሽሕ ስደተኛታት ሓዊሱ ዓብዪ ፆር ክኸውን ከምዝኽእሉ ይግመት ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG