ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሱዳንን ጂቡቲን ንግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተዓዚቦም


ETHIOPIA DAM
ETHIOPIA DAM

ፕረዚደንት ሱዳን ኦማር ኣል-ባሽርን መራሒ ጅቡቲ እስማዒል ኡማር ግሌን ኣብ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዑደት ፈፂሞም።ሚስተር ኣል-ባሽር ኣብ ህንፀት መሰረተ-ልምዓት ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ተሓጋጊዛ ክትሰርሕ’ያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ፡ሱዳንን ግብጽን ብደረጃ ሚንስቲራት ተራኺበን ከምዝዘራረባ ዝዝከር’ዩ።ብደረጃ መራሒ ካብ ግብፅን ሱዳንን ነቲ ግድብ ዝተዓዘቡ ቀዳማይ መራሒ ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር’ዮም።

ኣብ ኣሶሳ ኣብ ዝተኸበረ ታሽዓይ በዓል ብሄርን ብሄረሰባትን ከምኡውን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፀደቀሉ መበል ዕስራ ዓመት 29 ሕዳር ምኽንያት ገይሮም ናብ’ታ ሃገር ዝኣተው ኦማር ኣል-ባሽር፡እግረ መገዶም ንግድብ ህዳሴ’ውን ተመልኪቶም።

ሚስትስር ኣል-ባሽር ኣቅድም ኣቢሎም ኣብ ስታድየም ኣሶሳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት መሰረተ-ልምዓት ተሓባቢራ ክትሰርሕ’ያ ኢሎም።

“ንካልኦት ንርበሐሎም ሓባራዊ መሰረተ-ልምዓት፡ከም ኤለክትሪክ፡ማይ፡ ፅርግያታትን ንናይ ክልቲኤን ሃገራት ሓድነት ዘጠናኽርን ዘሓይልን ስለዝኾነ፡መንግስቲ ሱዳን ቀዲሙ ከምዝስራዕን ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርና ክንሰርሕ ምኻናን ቃል ይኣቱ’ለኹ ”ኢሎም ።

ብመዳይ ምርግጋፅ ፀጥታ’ውን ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢራ ክትሰርሕ’ያ ኢሎም ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር።

“ካብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኮይነ ከረጋግፀልኩም ዝደልዮ ነገር፡ንናይ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም፡ምዕባለን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተዓናቅፍ ንከይህሉ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ክቢባታትናን ዶብናን ብምሕላው፡ህዝቢታትና ብሰላምን ተኸባቢሮም ሓቢሮም ንክነብሩ ዕብየቶም ንከሳልጡ ከምነሕግዝ ቃል ይኣትው ኣለኹ”በሉ ንሶም።

ብተመሳሳሊ ምኽንያት ናብ ኣሶሳ ዝኣተው መራሒ ጅቡቲ ዕስማዒል ኦማር ጊለ’ውን ምስ ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ኮይኖም ነቲ ይህነፅ ዘሎ ግድብ ተመልኪቶም።

ህንፀት’ቲ ግድብ ንሓባራዊ ረብሓ ሃገራት’ዩ እናበለት ንዝፀንሐት ኢትዮጵያ ናይ’ቶም ፕረዚደንታት ኣብ’ቲ ግድብ ምብፃሕ ዲፕሎማስያዊ ዓወት’ዩ።

XS
SM
MD
LG