ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ውሑስ ቦታ ክውሰዱ ይሓቱ


ምስሊ ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሱዳን - ፋይል
ምስሊ ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሱዳን - ፋይል

ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ውሑስ ቦታ ክውሰዱ ይሓቱ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት ልዕሊ ሓላፍነቱ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብታ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እተሰሓሕብ ዘላ ግዛኣት ኣቢዬ፡ ኣብ ምኽባር ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩን ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱን 248 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብሰንኪ ኲናት ሱዳን ኣብ ስግኣት ሰለ ዝወደቑ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ናብ ካልእ ሃገር ከዛውሮም ይሓቱ`ለዉ።

እቶም ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ዓቃብ-ሰላም ነበር እቲ ቀንዲ ስግኣቶም፡ እቲ ኲናት ናብቲ ዘለዉዎ ቦታ እናቐረበ ይምጽእ ምህላዉ`ዩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ናይ ኢመይል ምላሽ ብወገኑ፡ ሕቶኦም ከም ዝበጽሖ ብምምልካት፡ “እንተዀነ ንስደተኛታት ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ ምግዓዝ ሓላፍነት የብልናን፡” ኢሉ።

ብዛዕባ ተኽእሎ ምምላስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ነበር፡ “መንግስቲ ብኽሕደት ሃገር ክኸሰና’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎና፡” ክብሉ መሊሶም። ንሱ ከም ዘይከውን መረጋገጺ ምስ ዝረኽቡ ግን ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዘለዎም ድሌት ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወከልቲ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG