ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምኽትል ፕረዝደንት ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ኬሚካላዊ አጽዋር ዝኽልኽል ትካል ኮይና ተመሪጻ


ቤት ጽሕፈት ኬሚካላዊ አጽዋር ዝኽልኽል ትካል
ቤት ጽሕፈት ኬሚካላዊ አጽዋር ዝኽልኽል ትካል

ሱዳን ንኬሚካላዊ ኣጽዋራት ናይ ዝኽልክል ትካል ምኽትል ሓላፊት ኮይና።ተንትነቲ ግን ንተኣማንነት እቲ ትካል ኣብ ሕቶ ዘውድቕ እዩ ይብሉ’ለው።መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ኬሚካላዊ ኣፃዋር ተጠቒሙ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኸሲሱዎ ነይሩ’ውን ይብሉ።

ሱዳን ብምኽትል ኣቦመንበር ፈፃሚ ቤት ምኽሪ ኬሚካላዊ ኣጽዋራት ናይ ዝኽልክል ትካል /OPCW/ ኮይና ምምራፃ ገለ ተንተንቲ ስኽፍትኦም ይገልፁ ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ከባቢ ጀበል ማራ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተጠቒማ ዝብል ፀብፃብ ብምጥቓስ ስኽፍትኦም ይገልፁ።በቲ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ህፃናት ዝርከቡዎም ኣስታት 250 ሰባት ተቐቲሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

እቲ ትካል ብዛዕባ እቲ ፀብፃብ ሓበሬታ ከምዘለዎ ብምግላፅ ነቲ ሪፖርትን ካልኦት ሓበሬታታትን ከምዝምርምሮ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዝገለፀ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ እዚ ናይ ሱዳን ሓላፍነት ግን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ’ሎ።

ማዲ ክራውዘር ኣብ ለንደን ናይ ዝመደብሩ ዌጂንግ ፒስ ዝተባህለ ትካል ሓላፊት እየን።እቲ ትካል ኣብ ሱዳን ንዝፍፀሙ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ብምቅዋም ወፍሪ የካይድ።ሱዳን ምኽትል ፈፃሚት ስራሕ ቤት ምኽሪ ኬሚካላዊ አዝዋር ዝኽልኽል ትካል (OPCW) ኮይና ምምራፃ ንግዳያት እቲ መጥቓዕቲ ውርደት እዩ ይብላ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ግን መንግስቶም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተጠቒሙ ንዝብል ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው።ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ ሓሶት ስእልታት እዩ ተጠቒሙ ክብሉ’ውን ተኸራኺሮም።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኬሚካላዊ አጽዋር ካሜሮን፣ ጋና፣ ኬንያ፣ ሊቢያ፣ ሞሮኮ፣ ናይጀሪያ፣ ሰኔጋልን ደቡብ ኣፍሪካን ሱዳንን እየን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG