ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ዳርፎር ኣብ መንጎ ክልተ ቃጸሎ


ሰሜን ዳርፎር ኣብ መንጎ ክልተ ቃጸሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

ሰሜን ዳርፎር ኣብ መንጎ ክልተ ቃጸሎ

ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ ኣብ ሰሜን ዳርፎር፡ ብሕልፊ ድማ ርእሰ-ከተማ ኣልፋሸር ንሆስፒታላት ይዝርፉን ይራስዩን ምህላዎም ነበርቲ ይገልጹ። እታ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኰይና ዝጸንሐት ከተማ ኣልፋሸር ሎሚ ብዂናት ተመናኒሃ ምህላዋ ነበርታን ትካላት ግብረ-ሰናይን ይገልጹ።

ርእሰ-ከተማ ዞባ ሰሜን ዳርፎር ዝዀነ ኣልፋሸር ካበየ ከባቢኦም ዝሃደሙ ኣስታት 800-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ የዕቊባ ትርከብ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ግን ንባዕላ እታ ከተማ’ውን ማእከል ዘየቋርጽ ጎንጺ ኰይና ኣላ።

መዕቆቢ ተመዛበልቲ፡ ኣብ መንጎ ነታ ከተማ ክቆጻጸሩ ዝፍትኑ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍን ተቐርቂሮም ይርከቡ። ኣብ መንጎ’ዚ ጎንጺ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ትካል ይሕብር።

ኣብ ኣልፋሸር ዝርከብ “ተመዛበልቲ ዳርፎር” ናይ ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ ወሃብ-ቃል፡ ኣዳም ሮጃል፡ ህዝቢ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወገን ከም ዘይብሉ’ዩ ዝሕብር።

"እዚኣቶም ሃገራውያን ኣይኰኑን። ንውልቃዊ ረብሓኦም ዝቃለሱ ዘለዉ’ዮም። እቲ ዝኸስር ህዝቢ ዳርፎር’ዩ። ህዝቢ ኵሉ’ዩ ስኢኑ፡ እንኮላይ ከም መሰረታዊ ቀረባት ማይ፡ መግቢ፡ መዕቆቢን መድሃኒትን። እዚ ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ቃላት ኣይገልጾን’ዩ።”

ምስ ሓካይም ብዘዶብ እትዓዪ ክሌር ኒኮለት፡ ሓደ ካብ ማእከላት ጥዕና ዳርፎር ከም ዝተሃርመ ትዛረብ። ማእከል መወለዳንን ማእከል መጥባሕቲን ሆስፒታል ኣልፋሸር ብኸቢድ ብረት ተደብዲቡ ኣሎ ድማ ትብል።

"ድሕሪ ጸብዳብ፡ ናሕሲ እቲ ሆስፒታል ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ወዲቑ። ክልተ ካብቶም ናጽላታት ምስ ሞቱ ድማ ክንዓጽዎ ተገዲድና። ሓያሎ ቍሱላት ዝዕቆቡሉ ማእከል መጥባሕቲ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ ተሃሪሙ ኣሎ።”

ነቲ ኲናት ንምዕራፍ ብብዙሓት ወገናት ከም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ካልኦት ኣካላትን እቲ ኲናት ንኽዓርፍ ዝገበሩዎ ፈተነ ከም ዘይቀንዐ ድማ ክሌር ትነግር። እኳ ደኣ እቲ ኩነታት መሊሱ ይገድድ ምህላዉ’ያ ትሕብር። እቲ ዝኸፍአ ወገኑ ድማ ብኣልማማ ዝግበር መጥቃዕቲ ምዃኑ’ዩ።

"ሕጂ ብዛዕባ ድሮናት ንሰምዕ ኣሎና። ብዛዕባ ስናይፐራት’ውን ንሰምዕ ኢና። እቲ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ’ዩ ዝኸድይ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ከተማ ምሉእ ኲናት’ዩ ዘሎ። ንሲቪላውያን ዜጋታትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝከላኸለሎም ኣካል የሎን።”

ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ህዝቢ ናብ ከተማ ወጺኦም ኣስቤዛ ክግበሩ ኣይከኣሉን። ሰራሕተኛታት ረዲኤት’ውን ማዕረ ሓገዝ ከባጽሑ ዕድል የብሎምን።

ኣዳም ሮጃል ከም ዝብሎ፡ ንህይወቶም ስለ ዝሰግኡ ሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ውሽጢ መንበሪታቶም ኰይኖም ንዝኸፍአ ቅልውላው ተቓሊዖም ኣለዉ። ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ንነብሱ ሓዊሱ፡ ነቲ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝወሃብ መቝነን እኳ ንምእካብ ከም ዘይከኣሉ ድማ ሮጃል ይሕብር።

ሮጃል ካብ ሆስፒታል ኣልፋሸር፡ ስእልታት፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝማሰኑ ቆልዑ ናብ ኣህጉራውያን መራኸቢታት ብቐጻሊ ክሰድድ ጸኒሑ’ዩ። ዕላማኡ፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም እንተሰሓበ ብዝብል’ዩ።

ትካላት ረዲኤት፡ ብሰንኪ ኣብ ዩክሬንን ቓዛን ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ሱዳን ዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ይገልጽ። ንሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብቲ ጉዳይ እኹል ከም ዘይሰርሑ ድማ ይነቕፉ።

ኣልፋሸር ግን ብዂናት ምድማይ ደው ኣየበልትን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG