ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ሱዳን ብምኽንያት ዒድ ን48 ሰዓታት ተዅሲ ደው ከምዘብሉ ኣፍሊጦም


መራሒ ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ሱዳን ሓምዳን ዳጋሎ -ፋይል
መራሒ ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ሱዳን ሓምዳን ዳጋሎ -ፋይል

መራሒ ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ሱዳን ንሃይማኖታዊ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ምኽኒያት ብምግባር ን48 ስዓታት ዝጸንሕ ቶኽሲ ጠጠው ከምዘብል ኣዊጁ።

ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ምስ ሰራዊት ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መግሃስታት ንዝፈፀሙ ሓይልታቱ ተሓተቲ ክገብር እየ'ውን ኢሉ ኣሎ። ተንትንቲ ግን ተደጋጋሚ ምፍሻል ቶኽሲ ደው ምባልን ናይ ዳጋሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሕማቕ ታሪኹን ብምጥቃስ ጥርጣርኦም ይገልፁ።

ሒመቲ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እቲ ምቁራጽ ቶኽሲ ካብ ትማሊ ሰሉስ ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ዝጸንሕ ምዃኑ ይገልጽ። ሓይልታቱ ሒዞምዎ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ከምዝፀንሑን ንርእሶም ንምክልኻል ጥራሕ ስጉምቲ ከምዝወስዱን ብድምፂ ኣብ ዝተፈነወ መልእኽቲ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል በይናዊ ስጉምቲ ዝሕብሮ ሓይልታቱ እቲ ውግእን ስቓይ ስቪላትን ንከብቅዕ ዘለዎ ድልውነት ዝሕብር እዩ ኢሉ።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ሱዳን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ መልሲ ኣይረኸበን።

ሕቡራት ሃገራት እቲ ግጭት ኣብ ሚያዚያ ካብ ዝጅምር ኣብ ውሽጥን ወፃኢን ሱዳን ኣስታት 2.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣለው ክብል ብምግላፅ እቶም ናብ ክልተ ሚሊዮን ዝፅግዑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG