ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን 442 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ምስጉጓ ሂማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ


ፋይል- ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሸገረአብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን 12,2012 ዓ.ም
ፋይል- ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሸገረአብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን 12,2012 ዓ.ም

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ሽዱሽተ ምዝጉባት ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣስታት 442 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም ናብ ሃገሮም ጠሪዞሞም ክብል ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ሱዳን ንኤርትራዊያን ብምእሳር ናብ ኢድ ጸቃጢ መንግስቲ ሃገሮም ክምለሱ የገድዶም ኣሎ እዚ ዑቕባ ንዝደልዩ ስደተኛታት ንከይረኽቡ ምክልካልይብል ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች ተመራማሪ ጉዳይ ስደተኛታትን ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ጌሪ ሲምሶን።

ንሱ ብተወሳኺ ሱዳን ምስ ሕ/ሃ ብምትሕብባር ነዞም ሰባት ክትከላከሎም እንበር ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ኣይግባእንዩ ይብል።

ዓለም-ለኸ ሕጊ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰሎም ክኽበር ኣለዎ ቕድሚ ካብ ዘለውዎ ሃገር ምስጓጎም’ዩ ዝብል፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ’ዩ እውን ይብል። ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ሓተቲ ዑቕባ ስቅያት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ንሂወቶም ዘፍርሕ ኩነታት ናብ ዘለዎ ቦታ ክስጎጉ የብሎምን ይብል።

ናይ ሕ/ሃ ላዕለዎይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ( UNHCR) ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ከይስጎጉ ዝፈርሑ ሓተቲ ዑቕባ ክዘራርቦም ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ግን ከምዝተኸልከለ ገሊጹ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኩሎም ትሕቲ 50 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታትታ ሃገር ኣብቲ ገደብ ጊዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ኣለዎም ይብል። ካብ ሃገር ምህዳም ድማ ኽድዓት ተቆጺሩ ከቢድ ስራሕ፡ ስቅያትን ሕማቕ ኩነታት ዘለዎ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከስዕብ ከምዝክእል ሂማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ብመሰረት ሪፖርት ሂማን ራይትስ ዎች ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ እቲ መቕጻዕቲ ከቢድን ዘይግቡእን ስቅያት ዘለዎንዩ እዚ ድማ ሓደ ስደተኛ ዑቁባ ንኽረክብ ካብ ዘኽእሎ መዓቀኒታት ሓደዩ ይብል።

ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ንዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ኣብ ምሕላዉ ምስራሕ ምጅማሩ ይፍለጥ። ሱዳን ነዚ ከምዚ ዓይነት ጻዕርታት ዝተቐበለት ክትከውን ኸላ ሂማን ራይትስ ዎች ግን መሰል ስደተኛታት ይኽበርዶ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ኣይሓብአን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሱዳን 442 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ምስጉጓ ሂማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG