ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ሃገራ ንዝነበሩ ልኡኽ ሕ/ሃ ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ


ቮልከር ፐርዝስ -ፋይል
ቮልከር ፐርዝስ -ፋይል

መንግስቲ ሱዳን ንልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐርዝስ 'ፐርሶና ኖን ግራታ' ክብል ብምእዋጅ ኣብ ሱዳን ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንውግእ ሕድ ሕድ እታ ሃገር የጎሃህር ኣሎ ክብል ብምኽሳስ ካብ መዝነቱ ክእለ ድሕሪ ምሕታቱ ክልተ ሰሙን'ዩ።

ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ፐርዝስን ንሶም ዝመርሕዎ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሱዳን ጣልቃ ይኣትው ኣለው ብዝብል ዒላማ ሰራዊት እታ ሃገርን ብእስላማዊ ጉጅለታት ዝድገፉ ተቓወምትን ኮይኖም ፀኒሖም እዮም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ንፐርዝስ ተኸላኺሎምሎም ኣለው።

ፕረዝስ ትማሊ ሓሙስ ብዛዕብኦም ክእወጅ ከሎ ንዲፕሎማሳዊ ዝርርብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነበሩ ምንጪታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ብኻልእ ዜና ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅምር ሻምናይ ሰሙን ኣብ ዘቑጸረሉ ሕጂ እዋን ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ደቡብ ኻርቱም ንዝርከብ ናይ ወታሃደራዊ ኢንዳስትሪ ቐፅሪ ንምቁፅፃር ውግእ ቀፂሎም ኣለው።

ኣማኻሪ ፖለቲካ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ዮሱፍ ኢዛት ሓይልታቶም ኣብ ያርሙክ ንዝርከብ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ናይ ተተኮስቲ መኽዘንን ናይ ኣፅዋር መፍረይ ፋብሪካን ከምዝተቖጻጸርዎ ገሊጾም ኣለው።

ኢዛት ወሲኾም "ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ን90% ከተማ ኻርቱም ተቖፃፂሮምዎ ኣለው።ምናልባሽ ሎሚ ነቲ ወታሃደራዊ ኢንዱስትሪ ድሕሪ ምቁፅፃሮም 95% ክኸውን እዩ። እዚ እዩ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት’’ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ወታሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይተወዓወተን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG