ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ብዝተልዓለ ሓድሽ ህውከት ልዕሊ 100 ሽሕ ቤት ኣልቦ ኮይኖም ተባሂሉ


Nyala, Sudan.
Nyala, Sudan.
ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዳግም ብዝተልዓለ ህውከት ልዕሊ 100 ሽሕ ሓደሽቲ ሰባት ቤት ኣልቦ ኮይኖም።Amnesty International ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ሪፖርት ከምዝበሎ እዚ ኣብ ቀረባ ተጋፊሑ ዘሎ ህውከት ብቐንድነት ዓሌት መሰረት ዝገበረ እዩ ይብል።

‘’ካብዚ ንላዕሊ ክንፃወር ኣይንኽእልን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ‘’Amnesty International ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ ምስ መንግስቲ ርክብ ዘለዎም ምልሻታትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ንስቪላት ዒላማ ከመይ ከምዝገብሩ፣ከምዘሳቕይዎምን ከምዝቐትሉዎምን ዝርዝር ሓበሬታ ሒዙ ወፂኡ’ሎ።

እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ነገዳት ሳላማትን ምስሪያን ኣብ ማእኸላይ ዳርፉር ውግእ ኣብዝቐፀልሉ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታትን ፀረ መጥቓዕትታትን ሰኒዱ’ሎ።
ሚሸል ካጋሪ ኣብ ኣምንሰቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ምኽትል ዳይረክተር እየን።ትካለን ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረጉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት መግሃስቲ እውን ሰኒዱ’ሎ ይብላ።

ዝርዝር ቕትለት፣መነባብሮ ሰባት ኮነ ተባሂሊ ንምዕናው ናይ ገጠር ዓድታት ነዲዶም፣ገርሁ ተቓፂሎም፣እንስሳት ተዘሪፈንን ናይ መስኖታት ስርዓት ዓኒዮምን እዮም ምስበላ ኣስዒበን ‘’እዚ ጥራይ ኣይኮነን።ፆታ ዒላማ ዝገበረ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝተፈፀመ ዓመፅ እውን ሰኒድና ኣለና’’ኢለን።

ቅድሚ 11 ዓመታት ዓማፂያን ጉጅለታት ኣብ ዳርፉር ዓመፅ ምስ ጀመሩ መንግስቲ ሱዳን ኣንፃር እቲ ዓመፅ ወታደራዊ ስጉምቲ ወሲዱ።ንዓመታት ብዝተኻየደ ህውከት ህይወት ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ጠፊኡን ሰለስተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት እውን ተመዛቢሎምን እዮም።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር ብገበናት ኵናት፣ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ብምፍፃምን ኣብቲ ከባቢ ምፅናት ዘርኢ ብምፍፃምን ገበናት ኸሲሱዎምን ተኣሲሮም ንክቐርቡ ድማ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውፂኡን እዩ።

ብመንግስቲ ኳታርን ኢጋድን ዝተኻየደ ፃዕሪ ሰላም ደውታ ፈጢሩ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ምልሻታትን ዝተፈላለዩ ዓመፅቲ ጉጅለታትን ሎሚ እውን ውግእ ቀፂሉ’ሎ።
ኣብ ካርቱም ዝመደብሮም ፀሓፍን ተንታኒ ፖለቲካን ዝኾኑ ዓምዱላህ ኣዳም ኻቲር ኣብ ዳርፉ ይዋግኡ ዘለው ጉጅለታት ኣብ ከይዲ ሰላም ክሳተፉ ምእንታ ናይ ሰላም መድረኽ ምኽፋት እዋኑ ሎሚ እዩ ይብሉ።
ብምኽንያት ንሰሙናት ብዝቐፀለ ውግእ መብዛሕቲኦም ዝሃደሙ ስቪላት ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዘይረኽቡ ሓለዋ እውን ከምዘይግበረሎም ናይ ብሪታኒያ ትካል ረድኤት ኦክስፋም ይገልፅ።

ኦክስፋም ንልዕሊ 90 ሽሕ ኣዚዮም ንዝተፀገሙ ሰባት ረድኤት ናይ ምቕራብ ወፍሪ ጀሚሩ’ሎ።
ኣብ ሱዳን ናይ ኦክስፋም ተወካሊ ዝኾኑ ኤል ፋታሕ ዑስማን በቲ ህውከት ዝተሃሰዩ ሰባት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድልየቶም ሰላም እይ ይብሉ።

ንኣምንሰቲ ኢንተርናሽናል ዝሰርሓ ካጋሪ ናይ ስቪላት ስቓይን መቕተልትን ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ብዙሕ ክሰርሑ ኣለዎም ይብላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዳርፉር ልኡኽ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ተነሓናሕቲ ማሕበረሰባት ተፃብኦታት ጠጠው ንምባል ድሕሪ ምስምምዖም ኣብ ሰሜን ዳርፉ ሳፋር ዖማር ኣንፃራዊ ህድሃት ከምዝተመለሰ ኣፍሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG