ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ብሰንኪ ኲናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ሕ/ሃ ይገልጽ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎምን ርብዒ ካብኣቶም ድማ ንስደት ምቅልዖም ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢን ብሰንኪ ዝኸፈትዎ ውግእ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፣ ጎደናታት ኻርቱም ድማ ዓውዲ ውግእ ኮይኖም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማቲው ሳልትማርሽ ካብ ጀኔቫ ብመሰረት ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ ሓበሬታ፣ 843,000 ሰባት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኮይኖም፣ ኣስታት 250 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ይብል።

ስደተኛታት፣ ናብ’ተን ናይ ገዛእ ርእሰን ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለወን ሃገራት ቻድ፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣትዮም እዮም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይንህር ከምዘሎን፣ ብሕልፊ ናብ ግብጺ ዕለታዊ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ይኣትው ከምዘለው እቲ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG