ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ጸላም ድነ፡ ርሑቕ ተስፋ ንምዝዛም ኲናት


ጀነራል ሒሜቲ ኬንያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን
ጀነራል ሒሜቲ ኬንያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን

ኣዛዚ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሒሜቲ)፡ ሰራዊቱ ነቲ ንኣዋርሕ ንሱዳን ዝሓመሰ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ድሉው ምህላዉ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪይል ራማፎዛ ድሕሪ ምርኻቡ ኣፍሊጡ። ሒሜቲ ምስ ጀነራል ቡርሃን ብኣካል ንምርኻብ ድሉው እንተዀይኑ ግን ኣየመልከተን።ክልቲኦም ኣዘዘቲ ሰራዊት ብኣካል ተራኺቦም ፍልልያቶም ከጽብቡ መደብ ከም ዘሎ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኲናት ቀጻሊ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ 300-ሽሕ ህዝቢ መንበሪታቱ ገዲፉ ክሃድም ከም ዝተገደደ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ 7 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብኽልቲኡ ሓይልታት ገበናት ኲናትን ገበና ኣንጻር ሰብኣውነትን ምፍጻሙ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኬንያ ንጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሒሜቲ) ብምትእንጋዳ፡ ሱዳን፡ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳድራ ስሒባ ኣላ።

እቲ ብግዜያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኣል-ሳድቕ ተጻሒፉ ኣብ መንግስታዊ መደበር ዜና ሱዳን (ሱና) ዝወጸ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ንሒሜቲ ዝተገብረ ወግዓዊ ኣቀባብላ፡ ሱዳን ን”ምኽኽር” ክትብል ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳድራ ስሒባ ከም ዘላ ይገልጽ። እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ “ሱዳን ምስ ኬንያ ንዝህሉዋ ናይ መጻኢ ርክብ’ውን ዝግምግም ክኸውን’ዩ፡” ይብል።

ኣብ መንጎ ጀነራል ቡርሃንን ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝምራሕ መንግስቲ ኬንያን ዝጸንሐ ዝምድና በብእዋኑ ክሽሕክር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ኬንያ ምስ ሒሜቲ ዘለዎ ዝምድና ወግዓዊ ምስ ገበሮ’ዩ ናብ ናይ መጨረሽታኡ በጺሑ።

ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ናይ መንግስቲ ወግዓዊ መዝነት ሒዙ ዘሎ ኣካል መግለጺ ደኣ ይሃብ እምበር፡ ኣብ ባይታ ግን ዝለዓለ ኢድ ሒዙ ዘሎ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ’ዩ። እቲ ኣሃዱ ዛጊት ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳርፎር፡ ካርቱምን ማእከላይ ወገን ኣል-ጀዚራን ተቖጻጺሩ’ዩ ዘሎ።

ሒሜቲ ነዊሕ ካብ ህዝቢን ርክባትን ተበቲኹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሒሩ ግን ሓያሎ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብ ሓጺር እዋን ጥራይ ናብ ዩጋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ኬንያን ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይርከብ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝጅምር ንነጅው፡ ብሓርፋፍ ገምጋም 12,190 ዜጋታት ሞይቶም ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ (ኦቻ)፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ዝቐጸለ ኲናት ነታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚሙዋ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ከም ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣስትት 25 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሱዳን ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ጎንጺ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይንህር ብምህላዉ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣዝዩ ከም ዘጸግም እቲ ትካል ይሕብር።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት፡ መራሕቲ ማሕበረኮም ሱዳን፡ ነቲ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ምዕራፍ ተራኦም ክጻወቱ ኣተሓባባሪ እቲ ትካል ማርቲን ግሪፍስ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG