ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ሱዳን ንቀረባት ዕንዲዳ ከይበትኮ ኣፍረይቲ ትካላት ይሻቐሉ


ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ንቀረባት መስርሕ በበይኑ ፍርያት ዝዀነ ዕንዲዳ ከይኰልፎ ኣፍረይቲ ትካላት ሻቕሎቶም የርእዩ ኣለዉ። እዚ ካብ ገረብ ጭዓ ዝእከብ ዕንዲዳ (ብዕሪር) ንስርሓት ከረሜላን ካልእ ፍርያት ስነ-ጽባቐን ምጽራይ ማይን ዘገልግል ምዃኑ ሮይተርስ ይሕብር።

እቲ ንመስርሒ ስነ-ጽባቐ ዘገልግል ዕንዲዳ፡ 70% ቀረባት ካብ ሱዳን ዝመጽእ ምዃኑ ዜና ሮይተርስ ይሕብር። ብኻልእ ጥረ-ነገራት ንምትካኡ ዳርጋ ከም ዘይከኣል ድማ እቲ ዜና ይውስኽ። እቲ መተካእታ ዘይብሉ ጥረ-ነገራት ብቐንዱ ኣብ ምጽራይ ማይ ዘገልግል ባእታ ምዃኑ’ዩ።

እቲ ዕንዲዳ ኣብ ዓመት ክሳብ 120-ሽሕ ቶናት ሰደድ ዝግበሮ ኰይኑ፡ ከባቢ 1.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝገብር’ውን ይጥቀስ። እዚ ኣብ ሓውሲ ምድረ-በዳ ስፍራታት ዝበቍል ኣግራብ ጭዓ፡ ብቐንዱ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጫድ፡ ኤርትራን ሶማlን’ውን ከም ዝበቍል’ውን ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ኣብ ተስዓታት ኣብ ቍጠባዊ ማዕቀብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረትሉ’ውን፡ ኣገዳስነት እዚ ፍሉይ ፍርያት ተራእዩ፡ እታ ሃገር ነቲ ዕንዲዳ ክትሰድድ ብፍሉይ ይፍቀዳ ነይሩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG