ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ሱዳን ተፃብኦታት ሓይሉ’ሎ" በዓልቲ ስልጣን ሕ/ሃ


ፋይል - ስደተኛታት ሱዳን
ፋይል - ስደተኛታት ሱዳን

ኣብ ሱዳን ተፃብኦታት ሓይሉ’ሎ ክብላ ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ማርታ ኣማ ኣክያ ፕቢ ተዛሪበን።

ፕቢ ንባይቶ ፀጥታ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ “እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ብዘይ ዝኾነ ናይ ምዝሓል ምልክታት ተጎሃሂሩ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ቀፂሉ’ሎ ኢለን።

ንሰን ኣስዒበን ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንምቁራፅ ተፃብኦታት ንምዝታይ ቅሩባት ምዃኖም እንተገለፁ'ዃ ተግባራቶም ግን ነዚ ኣየንፀባርቅን’ዩ ኢለን። ሱዳን ዝበኣሰ ቅልውላው ሰብኣዊ ጉድኣትን ከቢድ ምጥሓሳት ሰብኣዊ መሰላትን ኣጋጢምዋ’ሎ ኢለን። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብዞባዊ ኣካል ኣቢሉ ፃዕርታት ዘተ ሰላም ከሕድስ ኣለዎ ኢለን’ለዋ።

ብኻልእ ዜና ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ እቶም ኣብ ጫድ ዝርከቡ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ መግቢ ኣይክረኽቡን ክብሉ ኣብ ጫድ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፕየር ሆኖራት ገሊፆም።

"ክሳብ ታሕሳስ ሓገዝ የብልናን ነዚ ቅልውላው’ዚ ብህፁፅ ገንዘብ የድልየና’ሎ ምኽንያቱ መግቢ ንምዕዳግ ግዜ ስለዘድልየና" ክብሉ ተማሕጺኖም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG