ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኲናት ሱዳን ሓደሽቲ ግፍዒታት ኣብ ዞባ ዳርፉር ምፍጻሞም ይግልጽ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ዞባ ዳርፉር ሱዳን ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌትን ገበናት ኲናትን ተመሳሳሊ ኮይኑ ኣሎ ክብል ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ብሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ጉጅለን ንኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ኣብ ከተማታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፣ ሰፊሕ ቅትለትን ዓመጽን ሓዊሱ ሓደስቲ ግፍዕታት ዝገልጽ ጸብጻባት ካብቲ ዞባ ይስማዕ ኣሎ። ልዕሊ 260- ሽሕ ሰባት ካብ ዳርፉር ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ድሕሪ ምስዳዶም ተዋጋእቲ ህጹጽ ወሃቢ ደገፍን መሻርኽቲ ዓረብ ምልሻታትን ንሓያሎ ከተማታትን ብምውራር ኣባይቲ ብምንዳድ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወፁ ገይሮም። ሓደ መራሒ እቲ ከባቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር ኣል-ጀኒና ልዕሊ 5- ሽሕ ሰባት ምቕታሎም ከምዝሓበረ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG