ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊ ኮሚቴ ኣብ ሓደ ዓዲ ኣስታት 100 ሰባት ምቕታሎም ሓቢሩ


ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኣል-ጀዚራ ትማሊ ሓሙስ ኣስታት 100 ሰባት ብዕጡቓት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ከም ዝተቐተሉ ኮሚቴ ደገፍቲ ደሞክራሲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብቲ ከባቢ ጃምላዊ ምፍንቓል ከጋጥም`ዩ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብወገኑ እቶም ዕጡቓት ነታ ዋድ ኣል-ኑራ ትብሃል ቁሸት ብምውራር ብዙሓት ከምዝቐተሉን ዘፈናቐሉን ነቲ ኮሚቴ ብምጥቃስ ጸብጺቡ`ሎ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG