ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ክሳብ ዝሃድእ ንዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዕፃዋ ኣፍሊጣ


ተሓጋጋዚ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ፈታል ራሕማን ኣል-ኣሚን ካብ ዶብ ብዙሕ ኣብ ዘይርሓቐ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ክሳብ ዝሃደእ እቲ ዶብ ተዓፂዩ ከምዝፀንሕ ተዛሪቦም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ብምፍፃም ተወንጨፍትን ካልኦት ከበድቲ ኣፅዋራትን ምዕናዎም ገሊፆም ኣለው።

ኣል-ኣሚን ከምዝሓበሩዎ ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ካብን ናብን ኢትዮጵያንን ሱዳንን ኣብ ዘእትው ወድ ኣል-ሐሊዮ ነቲ ኹነታት ዝከታተል ሓደ ኮሚቴ ኣጣይሾም ኣለው።ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህወከት ብምህዳም ንዝኣድሙ ክሕግዙ እዮም ኢሎምሰበስልጣን ሱዳን።

ሰበስልጣን ከሰላ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ናብ ሱዳን ምእታው ኣይፍቀደሉን ሱዳን ዓውዲ ኵናት ኣይክትኸውንን እያ ኢሎም ኣል-ኣሚን።

‘’ብረት ዝተዓጠቐ ዝኾነ ይኹን ናብ ከሰላ ክኣቲ ኣይንፈቅድን።ንዘይተዓጥቑ ዝሕግዙ ግን ኣብ መእተዊ ዶብ ወድ ኣል-ሐሊዮ ኮሚቴ ኣጣይሽና ኣለና’’ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ህወሓት ከበድቲ ኣፅዋርን ንብረትን ንምዝራፍ ንወታደራዊ ካምፕታት ኣጥቒዖም ኢሎም ምስ ከሰሱ እዩ እቲ ግጭት ዝተወልዐ።

ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምዕባለ ኣል-ኣሚን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ሓዊሱ መሓውራ ድሕነት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዚዞም።

‘’ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይሕጋዊ ምትእኽኻብ ክንርኢ ኣይንደልን።ኣብ ሃገሮም ዘይምርግጋእ ዝፈጠሩ ዝኾነ ይኹን ብረት ዝተዓጠቑ ሰባት፣ጉጅለታት ኣይንፈቅድን። ዶብና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ብወግዒ ዓፂናዮ ኣለና’' ኢሎም ኣል-ኣሚን።

መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ካብ ከሰላ ከምዝሓበሩዎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብታ ከተማ ብበዝሒ ተዋፊሮም ኣለው።ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት እውን ሓገዝቲ ሓይልታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሸት ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ ሪኢኦም ኣለው እዞም መሰኻኽር።

XS
SM
MD
LG