ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ኣብ ቻይና መገሻ ይፍፅሙ ኣለው


 Omar al-Bashi,
Omar al-Bashi,

ቻይና ኣሕሊፋ ንክተረክቦም ተሓለቅት መሰላት መፀዋዕታ ኣቅሪቦም

መራሒ ሱዳን ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር፣ምስ መራሕቲ ቻይና ንምዝርራብ ኣብ ቤይጅንግ ኣትዮም።ብዓለም-ለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን ዝድለዩ መራሒ ስለምንታይ ተቀቢላ ንዝብል ሕቶ ድማ ቻይና መብርሂ ትህብ።

ንሚስተር ኣልባሽር ዘሳፈረት ነፋሪት ኣብ ሰማይ ቱርኪምንስታን ንድሕሪት ንክትምለስ ከምዝተነገራ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ይገልፁ።ብጠንቁ መገሻ ፕረዚደንት ኣልባሽር ብሓደ መዓልቲ ተደጋጉዩ‘ዩ።እቲ ተታሒዙ ዝነበረ መስመር በረራ ዝተናወሐ ኣሜሪካ ብዝፈጠረቶ ፀቅጢ‘ዩ‘ውን ይብሉ እቶም ሰበስልጣን።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኮንግረስ ሱዳን ቀጥቢ ኣል-ማሕዲ፣ቻይና ንመገሻ ሚስተር ኣል-ባሽር ንክትስርዝ ኣሜሪካ ፀቅጢ ፈጢራ ነይራ ክብሉ ከለው፣ ዋሽንግተን ግና ዛጊድ ሪኢቶ ኣይሃበትን ዘላ።

ወሃቢ-ቃል ምንስቲር ወፃኢ ቻይና ሆንግ ለይ፣እቲ ምድንጓይ ከምዘጓነፈ እንተኾነ ብቴክኖሎጂካዊ ፀገም ከምዝነቀለ ይገልፁ።

ናይ‘ታ ነፋሪት ምድንጓይ፣ፕረዚደንት ኣል-ባሽር ምስ መራሕቲ ቻይና ንዝህልዎም መደባት ኣየተዓናቅፎን።ፕረዚደንት ሆ ጂንታው ምስ ሱዳናዊ መዘነኦም ፅባሕ ረቡዕ ክራኸቡ‘ዮም በሉ እቶም ወሃቢ-ቃል።

ሚስተር ሆንግ ሊ ግና፣ቻይና ኣባል ኣድማሳዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣይኮነትን፣ ካልኦት ሃገራት‘ውን ንሚስተር ኣል-ባሽር ስለዝተቀበላ፣ቻይና ካብኡ ዝተፈለየ ነገር ኣይፈፀመትን በሉ።

ሚስተር ሆንግ፣ቻይና መሓዛና‘ያ፣ስለዚ፣መገሻ ሚስተር ኣል-ባሽር ምኽኑይን ካብ ነቀፌታ ዝራሓቀን‘ዩ ይብሉ።ሚስተር ሆንግ ወሲኾም፣መገሻ ሚስተር ኣልኣባሽር ንመስርሕ ሰላምን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምኡውን ምስ ዳርፉር ዘቀላጥፍ‘ዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።

ምስ ሚድያ ቻይና ቃለ-ምልልስ ዘካየዱ ሚስተር ኣል-ባሽር ንቻይና፣ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝመርሐቶ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንምፍሻል ዝሓገዘት ሓቀኛን እምንቲን መሓዛ ክብሉ ጠቂሶምዋ።

XS
SM
MD
LG