ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብዘጋጠመ ግጭት ኣባላት ሕ/ሃ ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ሞይቶም


ዞባ ኣብየ
ዞባ ኣብየ

ኣብ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ደቂ -ኣንስቲ ቆልዑን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ከም ዝተቀትሉ ተገሊጹ።

እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዶብ ብዝምልከት ዘጋጠመ ጎንጺ እቲ ዝኸፍኣ ምዃኑ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

ዕጡቓት መንእሰያት ደቡብ ሱዳን ጎረቤት ኣብ ዝኾነት ዞባ ኣብየ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ሚኒስተር ሓበሬታ ኣብየ ገሊጾም።

ክልቲኤን ሃገራት ወነንቱ ምዃኖም ዝገልጹ ብነዳዲ ዘይቲ ዝሃብተመ ከባቢ ኣብየ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብሓባር ዘመሓድረኦ ከባቢ'ዩ። በዚ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ካብቶም ዝተቀትሉ ብተወሳኺ ልዕሊ 60-ሰባት ቆሲሎም።

እቶም ኣብዚ መጥቃዕቲ ዝተቀትሉ ክልተ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ከኣዜጋታት ጋናን ፓኪስታንን ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG