ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ምስ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ሎሚ ሶኑይ ምስ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ብሰንኪ ምህናጽ ግድብ ፈለግ ኒል ሓርፊፉ ዝጸንሓ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምትዕርራይ ሎሚ ሶኑይ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ንውጽኢት ምህናጽ እቲ ግድብ ብሓባር ንምስራሕ ቃል ኣትዮም ኣለው።

“ ፈለግ ኒል ንህዝቢ እቲ ከባቢ መሰረታዊ መስመር ህይወት እዩ፡ ምስ ኢትዮጵያዊያን ኣሕዋትና ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዕና ኣለና፡ ንኹሉ ዝጠቕም ሸሪክነትን ዘለዎ ስምምዕን ክንበጽሕን ድማ ብሓባር ንሰርሕ ኣለና፡ብዛዕባ እቲ ዝህነጽ ዘሎ ግድብን ውጺኢቱን ድማ ኣብ ሱሉሳዊ ዋዕላ ንሰርሕ ኣለና” ዝበሉ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ እዮም።

ፈለግ ኒል ንኣስታት 100 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ግብጺ ምንጪ ማይ ምኳኑ ይፍለጥ።

ሱዳን ኣብ ምህናጽ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ ብምድጋፋ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጺን ዝጸንሓ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብተወሳኺ ውጥረት ምስፋኑን ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ህንጸት እቲ ግድብ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ አገዳሲ ምኳኑ ብምዝክካር ነቲ ህንጸት ምቕጻላ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብወገኖም “ ግብጺ ኣብ ቀረባ ጊዜ ሃገራዊ ምርጫ ከተኻይድ እያ ኣብ ከምዚ እዋን ድማ ዘይውሕስነት ዕድል ይረኽብ እዩ ይኹም ደአ እምበር ግብጺ ርግእትን ውሕስትን ኮይና ክትቕጽል ንጽልይ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንግብጺ ክበጽሕን ንምርግጋእ ግብጺ ከምንድግፍ ንምርግጋጽን ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ኣል ሲስ ዘለና ደገፍ ንምግላጽ እዩ እዚ ምብጻሕ ምክንያቱ ኣነ ይፈልጦ እየ ምስኡ ብዙሕ ሰሪሓ እየ ቕኑዕ እዩ ብተወሳኺ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ከምዝሰርሕ ርእየዮ እየ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG