ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተፈላለየ ብድሆታት ይገጥም ከምዘሎ ይሕብር


ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ናብታ ብግጭት ዝተሃስየት ሱዳን ሓገዝ ንምብፃሕ ዝተፈላለየ ብድሆታት ይገጥምዎ ከምዘለዉን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተዋጋእቲ እውን ንሰብኣዊ ፃዕርታት የተዓናቅፉ ምህላዎም ሓቢሩ።

ፍልይቲ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሱዳንን ክለመንታይን ንክዌታ፡ ሳላሚ ብፖርት ሱዳንን ዶብ ቻድ-ዳርፉርን ኣቢልካ ሓገዝ ምብፃሕ'ውን ማዕረ ማዕሪኡ ፀገም ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝሃበኦ መግለፂ “ካብ ወደብ ሱዳን ነዊሕ መገዲ ስለ ዝኾነ እተን ኮንቮይ ንቕድሚት ንኽግስግሳ ምስ ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተዋሳእቲ ክንሰማማዕ ኣለና” ኢለን።

ንሰን ኣስዒበን “ኣብ ዳርፉር ዝወሓደ ኣሰራርሓ ዘለዎም ጕጅለ እኳ እንተኾነ ስምምዕ ክህልወና ኣለዎ” ኢለን።

ንክዌታ-ሳላሚ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ከይሓልፉ ንዝኽልክሉ ወገናት ብምኹናን 19 ሰራሕተኛታት ረድኤት ምሟቶምን 29 ድማ ከምዝቆሰሉ ሓቢረን።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 5-ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 12- ሽሕ ድማ ቆሲሎም ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ይኹን’ምበር ጉጅለታት ሓካይምን ደለይቲ ፍትሕን እቲ ሓቀኛ ቁፅሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG