ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ሓይልታተን ካብ ኣብየ ምውፃእ ጀሚረን


ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ኣሰሓሓቢት ከባቢ ኣብየ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፀጥታን ይፍጠር ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ መንግስታት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ነቲ ከባቢ ዝቆፃፀ ሓባራዊ ሓይሊ ብምግዳፍ ሓይልታቶም ካብቲ ከባቢ ሎማዕንቲ ሰሉስ ምስሓብ ጀሚሮም ኣለው።

ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ወታደራተን ካብታ ኣሰሓሓቢት ከባቢ ኣብየ ንምስሓብ ኣብዝተሰማምዕሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ይንህር ኣሎ።ሱዳን ኣብዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ኣብ ክልተ ንኽትምቀል ትዳለወሉ ኣብዘላ እቲ ሓደጋ ንኣጠቓላሊ ናይ ሱዳን ሰላም ዘስግእ ከምዝኾነ ጉጅለ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ኣጠንቂቑ’ሎ።

ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ኣሰሓሓቢት ከባቢ ኣብየ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፀጥታን ይፍጠር ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ መንግስታት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ነቲ ከባቢ ዝቆፃፀ ሓባራዊ ሓይሊ ብምግዳፍ ሓይልታቶም ካብቲ ከባቢ ሎማዕንቲ ሰሉስ ምስሓብ ጀሚሮም ኣለው።

ዝሓለፈ ሰንበት ብሕቡራት መንግስታት ዝወፀ መግለፂ ከምዝሓበሮ ተወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ፍቓድ ዘይብሎም ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ንኽስሕቡ ተሰማሚዖም ኣለው ይብል።

ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተበፅሐ ሓፈሻዊ ስምምዕ ኣብ ደቡብ ረፈረንደም ተኻይዱ ደቡብ ሱዳን ሃገር ንኽትኸውን ድምፂ እንተተውሃበ’ውን ምሕንፃፅ ዶብን ጉዳይ ኣድመፅትን ዝምልከት ንዘይተወሰነ ተናዊሑ ቀፃሊ ወጥሪ እናፈጠረ ይርከብ።

ደቡብ ሱዳን ብዕሊ ከም ነፃ ሃገር ዝቕፅል 9 ሓምለ ንምእዋጅ ኣብ እትቀራረበሉ እቲ ስግግር ብዝግባእ ንኽፍፀም ጉዳይ ኣብየ ወሳኒ እዩ ክብሉ ኣብ ጉጅለ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ክኢላ ዝኾኑ ዛክ ቨርቲን ይገልፁ።

ቨርቲን ብምቕፃል ‘’ ኣብ ኣብየ ዘሎ ኩነታት ብዝሓመቐ ቁፅሪ ንህዝቢ ኣብየ ሓደጋ ክህልዎ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሰሜንን ደቡብን ናይ ውክልና ጎንፅታት ኣብ ካሊእ ከባቢ ከጎሃህር ይኽእል እዩ።እዚ ድማ ናይ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ሰላማዊ ምንፃል ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእትን ድሕሪኡ ዝህሊ ናይክልቲአን ሃገራት ሃናፂ ርክባት ንምፍጣር ዝግበሩ ፃዕርታት ዝጎድእን እዩ ክኸውን።’’ይብሉ።

ኣብየ ንደቡብ ዝድግፉ ኣባላት ጎክ ዲንካ ናይዝተብሃለ ዓሌት መንበሪ እያ።ሰሜናዊያን ዓሌት ሚሰሪያ እውን ዝፀንሐት ናይ መግሃጫ ከባቢና ሰልዝኾነት ናትና እያ ይብሉ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ብዝተልዓለ ውግእ 14 ሰባት ተቐቲሎም።ኣብ ብራስለስ ዝመደብሩ ጉጅለ ቅልውላቅ እቶም ግጭታት ንሰሜንን ደቡብን ሱዳን ናብ ዅናት ከእትወን እዩ ክብል የጠንቅቕ።

XS
SM
MD
LG